ዊኪፔዲያ
tiwiki
https://ti.wikipedia.org/wiki/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B2_%E1%8C%88%E1%8C%BD
MediaWiki 1.48.0-wmf.1
first-letter
ሜድያ
ፍሉይ
ምይይጥ
ተጠቃሚ
ምይይጥ ተጠቃሚ
ዊኪፐድያ
ምይይጥ ዊኪፐድያ
ፋይል
ምይይጥ ፋይል
ሜድያዊኪ
ምይይጥ ሜድያዊኪ
ሞደል
ምይይጥ ሞደል
ሓገዝ
ምይይጥ ሓገዝ
መደብ
ምይይጥ መደብ
ማዕጾ
ምይይጥ ማዕጾ
TimedText
TimedText talk
ሞድዩል
ምይይጥ ሞድዩል
Event
Event talk
ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ
0
1958
26160
23809
2026-10-28T23:41:17Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:2|0|0 */
26160
wikitext
text/x-wiki
'''ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ''':
ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደ ኣብ መባእታ፡ ሳላ'ቲ ኣብ ሜዳ ንጡፍ ዓውደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር ኪካየድ ዝጸንሐ ኣመሃህራ፡ ድሕሪ ናጽነት ክንሰርሐሉ ዋላ ሽግር ኣየጋጠመን። ካብ 93 - 95 ተሰሪሑሉ። ደሓር ዋሕዲ ሰብ ኣጋጢሙ፡ ደስኪሉ ምስ ጸንሐ፡ ብቛንቋ ኣደ መምህራን ዚዀኑ ንምስልጣን፡ ዓስራይ ክፍሊ ዝወድኡ ዜድሊ ክእለትን ጠባይን ዘማልኡ ተመሃሮ ብምምራጽ፡ ናብዚ ተቐቢልና ነቲ ኣብ መባእታ ዚጠቕሞም ኣገባብ ኣመሃህራ እናመሃርና፡ ምስኡ ድማ ንማትሪክ ንምድላው ዚጥቀሙሉ ትምህርቲ እናሃብና፡ ክንዕወተሉ ክኢልና። ኣብ ርእሲ ካልእ ትምህርቶም፡ (ብ[[ፊደላት ላቲን]] ነንቛንቋኦም) ናይ'ቲ ኪምህሩሉ ዚዳለዉሉ ዘለዉ ቋንቋ ኣደ ይምሃሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ምስልጣን መምህራን ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊሉ፡-
እቲ ሓደ ተመሃሮ 10ይ ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ ማይ ነፍሒ ዚርከብ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ዚምሃሩ፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋ ኣደ ዚምህሩ መምህራን ዚስልጥኑሉ፡
እቲ ካልኣይ ድማ ብሄሮም ኰነ ቋንቋ ኣዲኦም ብዘየገድስ፡ 11 ክፍሊ ወዲኦም ዚኣትዉዎ ኣብ [[ኣስመራ]] ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ኢዮም።"
ንዝሓትተናዮ ምኽሪ መም. መብርህቱ ከምዚ ይብል፡-
"ኣብ ሃገር ሽወደን ዘሎ ምዕባሌ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ንነፍሲ ወከፍ ካብ ወጻኢ ዝመበቈሉ ቘልዓ ቋንቋ ኣዲኡ ኪምሃርን ባህሉ ከይርስዕን (ኬማዕብልን) ዚብል ዕላማ ኣዝዩ ቅዱስ'ዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ እቲ ምዕባሌ እቲ ሃገር ንዘዝመጹ ቈልዑ ናብ ባህሉን ቋንቋኡን ውሒጡዎም ምተረፈ። ዚምስገን ኢዩ። እንተዀነ ብዘይካ [[ቋንቋ ትግርኛ|ትግርኛ]] ካልኦት 8 ቋንቋታት እውን ስለ ዘለዋና፡ በተን ዝተረፋ ቋንቋታት ሃገርና ኪምህሩ ዚኽእሉ ኤርትርውያን ከምዚ ናታትኩም ኪምህሩ ከተተባብዑዎም እምሕጸን" ኢሉ።
ሓጋይ - ክረምቲ
ሓግዙኒ ሊቃውንቲ!
[[መደብ:ቋንቋ]]
6ckcg2etxcl9jkg75wa6ro6tkulxfvr
ነብርን ወኻርያን
0
2081
26163
18929
2026-10-28T23:51:21Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:3|0|0 */
26163
wikitext
text/x-wiki
ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ዓቒዳ/እምነት
ፍትዋት ሙእሚኒን የሕዋተይ ሎምዓንቲ መሰረታውያን ዓንድታት እምነት (ኢማን) ኣብ እስልምና ክንርኢ ኢና፣ እቶም እምነ-ኩርናዕ እስልምና ዝኾኑ ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥
እምነት ብሓደ ኣላህ
እምነት ብመላእኽቱ
እምነት ብመጻሕፍቱ
እምነት ብልኡኻቱ (ነቢያቱ)
እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ (ብህይወት ድሕሪ ሞት)
ከምኡ ድማ እምነት ብቕድመ-ድንጋጌ (ሕማቕን ጽቡቕን ኩሉ ብፍቓድ ኣላህ ከም ዝፍጸም ምእማን ዝብሉ ኢዮም፣) ቀጺልና ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፥
*1. እምነት ብ ሓደ ኣላህ
እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዘመሓላለፎ ቀንድን መሰረታውን ምህሮ “እምነት ኣብ ሓደነት ኣላህ” ኢዩ፣ እዚ ኣምር’ዚ ብኢስላማዊ ቛንቛ “ተውሒድ” ተባሂሉ ይፍለጥ፣ እምነ-ኩርናዕ ናይ ድሕነት ካብ ጀሃነም ድማ ኢዩ፣ ሓደነታዊ ኣምልኾ ኣላህ ክበሃል ከሎ ንኣላህ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ወሰኽ ንውልቁ ምምላኽ ማለት ኮይኑ፤ “ ኢስላማዊ ከሊማህ ” ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ።
ኢስላማዊ ከሊማ ነቲ “ላኢላሃ ኢላ’ላህ” ዝብል ኣምር ዝውክል ኮይኑ፡ ብትግርኛ ክንትርግሞ ከለና፡ “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ማለት ኢዩ፣ እዛ ምዕርግቲ ሓረግ እዚኣ ዓንዲ ሕቖ ናይ እስልምና እያ፣ እዛ ከሊማ እዚኣ ከኣ ንእምነትን ክሕደትን ኣላህ ብንጹር እትፈሊ ዶብ’ያ ክትበሃል ትከኣል፣ በዛ ኢስላማዊት ከሊማ ብምእማን ኣብ ዓለምን ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ዓወት ምጉንጻፍ ይከኣል፣ ነዚኣ ኣዝያ ውቕብቲን ረዛንን ሓረግ ምንጻግ ድማ ብዓቢኡ ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ምኽሳርን ኣብ ገሃነም-እሳት ምንባርን የኸትል፡
እዛ ከሊማ ንእምነትን ክሕደትን እትፈላሊ ዶብ’ያ ካብ በልናያ፡ ብዘይ ኣፍልጦ “ለለ…” ናይ ዝበልካ ግን ኣይኮንን፣ ነቲ ሰረተ-እምነት ብንቕሓት ምቕባልን ኣብ ግብራዊ ህይወትካ ብምልኣት ምስዓብን የድሊ፣ ምኽንያቱ “መግቢ” “መግቢ” ኢልካ ብቃልካ ናይ ዝደጋገምካ ጥራሕ ጥምየትካ ኣይዕንገልን ኢዩ፣ ወይ ስም መድሃኒት ፈውስኻ ብቃልካ ብምጥቃስ ጥራሕ ካብ ሕማምካ ክትሓዊ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ብተመሳሳሊ እዛ ከሊማህ እዚኣ ጽቡቕ ጌርካ ክሳዕ ዘይተረዳእካያ እቲ ዘድሊ ለውጢ ኣብ ህይወትካ ከተምጻልካ ኣይትኽእልን ኢያ፣ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ንሙሉእ ትርጉም ናይቲ ሰረተ-እምነት ብምጭባጥ ብቃልን መንፈስን ምስ እትትግብሮ ጥራሕ ኢዩ።
ሓዊ ከም ዘቃጽል ስለ እንፈልጥ ካብኡ ንርሕቕ፣ መርዚ ከምዝቐትል ስለ እንርዳእ ካብኡ ንኽልከል፣ ብተመሳሳሊ ንተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ) ብግቡእ ብምርዳእ፤ ክሕደት፡ ኢ-ዚሄርነትን ብዙሐ-ዚሄርነትን ከነወግድ ንኽእል፣ ዝርዝራዊ ትርጉም ኢስላማዊ ከሊማህ ብቋንቛ ዓረብኛ “ኢላህ” ማለት እቲ ኣምልኾ ወይ መግዛእቲ ዝግበኦ ማለት ኢዩ፣ ኣላህ ድማ ውልቃዊ ስም ናይ ኣምላኽ ኢዩ፣ በቲ ደርማሳዊ ሓይሉን ዕብየቱን ተደሪኽና ብትእዛዙ መሰረት ብትሕትና ንሰግድን ንምብርኸኽን፣ ኢላህ ዝብል ኣምር ነቲ ዘይጽንቀቕ ሓይሊ ዘለዎ ጎይታ ዘመልክት ኮይኑ፡ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ናብኡ ይጽጋዕን ይምርኮስን፣ ንዑኡ ግን ናይ ዝኾነ ኣካል ደገፍ ኣየድልዮን፣ ነቲ ኢላህ ዝብል ኣምር ዝእምቱ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ይንጸባረቁ ኢዮም።
ንኣብነት ብ ቋንቋ ፐርሺያ “ኩሑዳ”፡ ብህንዲ “ደቫ”፡ “ጋድ” ድማ ብእንግሊዘኛ።
ኣብ ታሪኽ ደቂስብን ጥንታዊ ቅርስታትን ተሞርኪስና ምስ እንምርምር፡ ኩሎም እቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ ዘምልኽዎ ኣምላኽ ወይ ኣማልኽቲ ነይርዎም ኢዩ፣ ካብቲ ድሑር ዝበሃል ፍልማዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣመና ዝሰልጠነ ሕብረተሰብ። ነናቱ ዝኣምነሉ ኣምላኽ/ኣማልኽቲ ዘይነበሮ የለን፣ ንሓደ ነገር ኣምላኽካ ጌርካ ንዑኡ ምስጋድ ካብ ጥንቲ ምስ ውሽጣዊ ባህሪ ወዲሰብ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዝጸነሐ ኢዩ፣ ከምኡ ክገብር ዝድርኾ ኣብ ውሽጣዊ መንፈሱ ገለ ነገር ከምዘሎ ኢዩ ብተመራመርቲ ዝሕበር።
ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ተበጊስና ሓደ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል፣ እቲ ጥንታዊ ወዲሰብ ዘምልኾ ኣምላኽ ንኽገብር ዝገብሮ ዝነበረ ውሽጣዊ ድሪኺት እንታይ ኮን ነይሩ ይኸውን?
ሎሚ ቦታ ወዲሰብ ምስቲ ተመራመርቲ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣድማስ ብምንጽጻር እንተሪኢናዮ እቲ መልሲ ብሩህ ይኸውን፣ ወዲሰብ ይኹን ባህሪ ፍጹማት ኣይኮኑን፣ ሰብ ሓይሉ ውሱን፡ ድኹም፡ ድኻን በተኽን ኢዩ፣ ነታ ናብርኡ ጥራሕ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ረቛሒታት ይሙርኮስ፣ እዞም ንናብርኡ ዘገድሱ መሰረታውያን ነገራት ንባዕሎም ኣብ ሓደ ግዜ ክርከቡ ኣይክእሉን፣ ምናልባት ሓደ-ሓደ እዋን ብቐሊልን ባህርያውን መንገዲ ኣብ ኢዱ ክኣትዉ ይኽእሉ ይኾኑ፣ ሓደ-ሓደ ግዜ ግን ኣመና ኢዮም ዝሕረምዎ፣ ክረኽቦም ዝቃለስ ኣገደስትን ጠቐምትን ነገራት ብርግጽ ኣለዉ፣ ይኹን’ምበር ኩሉ ኣብ ኢዱ ስለዘይኮነ ሓደ ግዜ ይዕወተሎም ሓደ ግዜ ድማ ይኸስሮም፣ ክከላኸሎም ዘይክእል ኣመና ጎዳእቲ ኣጋጣሚታት ውን ኣለዉ፣ ናይ ሙሉእ ዕድሚኡ ስራሕ ኣብ ሓጸርቲ ካሊእታት ክዓኑ ይኽእል፣ ዕድሉ ኣብ ዘይደልዮን ዘይተጸበዮን ሰዓት ብሃንደበት ሞት ተምጻሉ፣ ብዘይክኡ ሕማም፡ ስቅያትን ባህርያዊ ሓደጋታትን ንሓጎሱ ብምጽራር ይሻመዉዎ፣ ካብዚ ኩሉ ክናገፍ እኳ እንተተቓለሰ ምስ ዓወትን ውድቐትን ኢዩ ዝጋጠም።
ብዕብየቶምን ምዕሩግነቶምን ጥራሕ ዘርዕድዎ፡ ዓበይቲ እምባታት፡ ወሓይዝ፡ ገዘፍቲ [[እንስሳ]]ታትን ብዙሓት ካልኦት ነገራትን ኣለዉ፣ ብምንቅጥቃጥ መሬትን ማዕበላትን ይፍተን፣ ልዕሊኡ ቁሊሕ እንተበለ ድማ ደበናታት ሰማይ እናተኣኻኸቡን እናጸለሙን ከለዉ ይርእዮም፣ ከቢድ ድምጺ ነጎዳን ንጸልማት ዝቐድድ በርቅን ይዕዘብ፣ ዕልቕልቕ ዘኸትል ዝናብ ይመጾ፣ ናብ [[ጸሓይ]]፡ ወርሒን ከዋኽብትን ድማ የቃልብ፣ ወትሩ ከኣ ኣብ ርጉእን ቀጻልን ምንቅስቃስ ይረኽቦም፣ ማዕረ ክንደይ ዓበይቲ፡
ሓያላትን ውቁባትን ምኻኖም ይግንዘብ፣ ምስ’ቶም ዝዕዘቦም ኣካላት ባህሪ ብምውድዳር ናቱ ቦታን ዓቅምን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይርዳእ፣
እዞም ክስተታት እዚኦም ብሓደ ሸነኽ፡ ንቕሓቱ ድማ ብኻልእ ሸነኽ ንድኹምነቱ፡ ትሑትነቱን ሓጋዚ ኣልቦነቱን የዘኻኽርዎ፣ ጥንታዊ ሓሳብ ኣምልኾ እምበኣር ካብዚ ምንጪ’ዚ እንተተበገሰ ዘይባህርያዊ ኣይኮነን፣ ኣብቲ መጀመርታ ምንጪ ሓይሊ ናይቶም ብዓይኑ ዝርእዮም ዝጠቕምዎን ዝጎድኡዎን ዓበይቲ ክስተታት ካብ ገዛእ ርእሶም ስለዝመስሎ፡ ነዐኦም ኣማልኽቱ ጌሩ ይወስዶም፣ ስለዝኾነ ንኣግራብ፡ እንስሳታት፡ ወሓይዝ፡ እምባታት፡ እሳት፡ ዝናብ፡ ኣየር (ንፋስ)ን ካልኦት ፍጥረታትን ከምልኽ ጀሚሩ፣ እዚ ብርግጽ እቲ ዝበኣሰ ዓይነት ድንቁርና ኢዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ክመራመር ምስ ጀመረ፤ እቶም ስልጣንን ሓይልን ኣለዎም ኢሉ ዝኣመነሎም ዓበይቲ ባህርይውያን ነገራት፤ ኣብ ካልእ ሓይሊ ከምዝሙርኮሱን ንገዛእ ርእሶም ክድግፉ ዓቕሚ ከምዘይብሎምን ከስተውዕል ኪኢሉ ኢዩ።
ምኽንያቱ እቲ ዓብን ሓያልን ዝበሎ እንስሳ ልክዕ ከምቲ ደቂቅ ጀርም ክመውት ከሎ ይርእዮ፣ ዓበይቲ ፈለጋት መሊኦም ዕልቕልቕ ክብሉ ከምዘይጸንሑ ምስ ግዜ ይነጽፉ፣ ፍርያምነት መሬት ኣብ ናታ ቁጽጽር ጥራሕ ዘይሙዃኑ፤ የግዳስ ኣብ ማይ ከምዝሙርኮስ፤ ማይ’ውን ንባዕሉ ኣብ ኣየር ከምዝሙርኮስ፤ ኣየር ድማ ከምኡ ኣብ ካልእ ጠንቂ ከምዝድገፍ ይበርሃሉ።
እቲ ኣብዚ ዝጠቐስናዮ ደረጃ ንቕሓት ዝበጸሐ ሓንጎል ወዲሰብ፤ እቶም ዝሓሰቦም ኣማልኽቲ ካብዘይኮኑ፤ ሓንጎሉ ናብ ካልኦት ተኽእሎታት ክጠውዮ ጀመረ፣ መለኮታዊ ባህሪ ዘለዎም ምስጢራውያን ሓይልታት ንዝተፈላለዩ ክስተታት ክቆጻጸሩ ስልጣን ከምዘለዎም ኣመነ፣ እዚ ካልእ ዓይነት ድንቁርና ብወገኑ ናብ ኣምልኾ [[ቁጽሪ]] ዘይብሎም ኣማልኽቲ ኢዩ ርዒሙ፣ “ኣምላኽ ጸሓይ”፡ “ኣምላኽ ወርሒ”፡ “ኣምላኽ ኣየር” ወ.ዘ.ተ.፣ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝኣምኑሉ ኣምላኽ ዝውክል ቅርጻ ብምቕራጽ ነቶም ምልክታት ከምልኹ ጀመሩ፣ ገና ሕጂ’ውን እቲ ሓቂ ካብ ዓይኒ ወዲሰብ ተኸዊሉ ተረፈ።
ወዲሰብ ብትምህርትን ምዕባለን እናገስገሰ ክመጽእ ምስ ጀመረ፡ ንከባቢኡን ባህርያዊ ኩነታትን ኣጸቢቁ ክርዳእ ከኣለ፣ ንከባቢኡን ኣድማስን ብሓፈሻ ዝቆጻጸር ሓያል ሕግን ቁጽጽርን ከምዘሎ ድማ ኣመነ፣ ካብቲ ሕጊ ፈልከት ዘይብል ፍጹምን ምዕሩይን ምብራቕን ምዕራብን ጸሓይ፤ ኣብ ንፋሳት፡ ኣብ ዝናብ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ከዋኽብትን ለውጥታት ወቕቲታትን፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ስርዓታት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ብዘደንቕ ውህደት ብሓባር ክዓዩ ከለዉ ተዓዘበ፣ እዚ ኣመና ዓቢን በሊሕን ሓይሊ፤ ንዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣድማስ ኣብ ሓደ ዝተደልየ እዋን ብሓባር ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ዝተደልየ ውጺኢት ከተግብሩ ይገብሮም፣ ኩሉ ኣካላት ባህሪ ነቲ ሓደ ላዕለዋይ ሕጊ ተማእዚዙ ብምዕሩይ መንገድን ብዘይምቅይያርን ክኸይድ ዝገብሮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከም ዘሎ። ወላ ነቲ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምን ሰብ ብሩህ ኮነ።
…………………………… ይቕጽል……
2ይ ክፋል
ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ዓቒዳ/እምነት 2ይ ክፋል.
እምባኣር ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ወዲ ሰብ ዋላ"ኳ ነዚ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ኣምላኽ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይጸውዓዮ ዳኣ’ምበር ካብ ጸላም ድንቁርንኡስ ገና ኣይተላቐቐን።
ምኽንያቱ ምስቲ ዓቢ ኣምላኽ ነቶም ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ምምላኽ’ውን ኣይቛረጸን፣ እቲ መሎኮታዊ ንግስነት ምስቲ መሬታዊ ንግስነት ሓደ ኢዩ ዝኸውን ኢሉ ገመተ፣ ስለዝኾነ ከምቲ ሓደ መራሒ ዝተፈላለዩ ሚኒስተራት፡ እሙናት መሻርኽቲ፡ ኣማሓደርትን ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈትን ዝህልውዎ፤ ከምኡ ድማ ኣብ ትሕቲ’ቲ ላዕለዋይ ኣምላኽ ዝዓዩ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ኣለዉ በለ፣ ብዘይናቶም ፍቓድን ቡራኴን ድልየቱ ዝረክብ ኮይኑ ስለዘይስመዖ፡ ነዓኣቶም ድማ ብማዕረ ኣምለኾም፣ ፍልጠት እናወሰኸ ብዝኸደ ግን በቶም ብዙሓት ሰብ-ሰርሖ ነኣሽቱ ኣማልኽቲ ዝነበሮ ዕግበት እናጎደለ ከደ፣ ብኡ መጠን ቁጽሪ ናይቶም ዘምልኾም ኣማልኽቲ እናቐነሶም ከደ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓደ ዓቢ ኣምላኽ ጥራሕ ኣትረፈ፣ እዚ ኣብ መወዳእታ ዝማዕበለ ኣምር ኣምላኽ እወንታዊ እኳ እንተመሰለ፡ ገና ተረፍመረፍ ካብ ሕሉፍ ባእታታት ድንቁርና ግን ሓቚፉ ይርከብ፣ ገለ ህዝብታት ኣምላኽ ምስሊ ሰብ ዝሓዘ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ኣምላኽ ብ ናይ ሰብ መልክዕ ናብ ምሬት መጺኡ ነይሩ፣ ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ንኣድማስ ምስ ሃነጸ ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዕረፍቲ’ዩ ዘሎ ይብሉ።
ካልእ ጉጅለ ድማ ኣምላኽ ብሞንጎኝነት ቁዱሳት ሰባትን መላእኽትን እንተዘይኮይኑ ጾሎትን ምሕጽንታን ኣይሰምዕን፣ ገለ ድማ ባዕሎም ንዝቐረጽዎ ምስሊ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኦም ከይገበሩ ወይ ብእምሮኦም ነቲ ስእሊ ከይሓሰቡ ክጽልዩ ኣይክእሉን፣ ኣብዚ ብምህሮን ሓበሬታን ዝልለ ዘመን ድማ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓሳባት ገና ብሰፊሑ እናተተግበሩ ይርከቡ ኣለዉ።
* ተውሒድ (ኣምልኾ ሓደ ኣላህ ጥራሕ)
ብርግጽ እቲ ጥርዚ ናይ ኣፍልጦ ኣላህ ኢዩ፣ ኣላህ ንኩሎም ነቢያቱ ወይ ልኡኻቱ ብቐንዱ ተውሒድ ከስተምህሩ ኢዩ ልኢኽዎም፣ ኣፍልጦ ተውሒድ ሒዙ መጀመርታ ዝመጸ ኣቦና ኣዳም ነይሩ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ነናብ ህዝቦም ከብጽሑ ድማ ነቢይ ኑሕ/ኖህ፡ ኢብራሂም/ኣብራሃም፡ ሙሳ/ሙሴ፡ ዒሳ/ኢየሱስ ክርስቶስ (ናይ ኣላህ ሰላም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ይውረድ) ካብ ኣላህ ተላኢኾም መጺኦም፣ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ መወዳእታ ቅርጹን መዕለቢኡን ከትሕዞ ድማ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ደምዳሚ ወይ ዛዛሚ ነብያት ኣላህ ብሙዃን ናብ መላእ ዓለም መጺኡ፣ ጽሩይ፡ ሓቐኛን ፍጹምን ኣምር ኣላህ ድማ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ፣ ወዲሰብ ከሓዲ ፈጣሪኡ ዝኸውን ንምህሮ ናይቶም ዝሓለፉ ነቢያት ብምውንዛፍ። ኣብ ናይ ውልቁ ግጉይ ትንተናታት፡ ግምታትን ኣድልዎ ዘለዎ ኣተሮጓጉማን ምስ ዝሙርኮስ ጥራሕ ኢዩ።
ትርጉም ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ ግን “ብዘይካ ሓደ ኣላህ ካልእ ኣምላኽ የለን” ተባሂሉ ብሓጺሩ ክትርጎም ይኽእል፣ ስለዝኾነ ብዘይካ ኣላህ ሓደ’ኳ ፍጡር ወዲሰብ ይኹን ማተርያላዊ ነገር፡ ንክምለኽ ዝግበኦ መለኮታዊ ሓይልን ስልጣንን ዝውንን የልቦን፣ ኩሉ ፍጡር ዘበለ ጎደሎን ዘይሙሉእን ኢዩ፣ እቲ ክንኣምነሉ ዘለና ሓደ ኣምላኽ ግን ፍጹም ኢዩ፣ ንሱ መለኮታዊ መለለይታት ይውንን፣ ኣዛዚ ናይ ኩሎም ክስተታት ድማ ኢዩ።
ፈጣሪ ናይዚ ምዕሩግን ሰፊሕን ኣድማስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሓጋጊ ስርዓት ባህርን ተቖጻጻሪኡን ኣማሓዳሪኡን’ውን ኢዩ፣ ምስዚ ጎይታ ኩሉ እንርእዮን ዘይንርእዮን ዘበለ ፈጣሪ ዝዳረግ ሓደ’ኳ የለን፣ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ መሻርኽቲ የብሉን፣ ነዚ ኣምላኽ’ዚ ኢና ንሕና ኣመንቲ እስልምና “ኣላህ” ንብሎ።
ብርግጽ ብዘይኩኡ ካልእ ኣምልኽ ብፍጹም የለን፣ ጽልዋ ተውሒድ ኣብ መነባብሮ ወድሰብ
እስከ ሕጂ ቀጺልና ጽልዋ ናይዛ መሰረት እምነት እስልምና ዝኾነት ሓረግ ማለት “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ነስተውዕል፣ ብኣ ዝኣመነ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱን ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወትን ዕዉት ኢዩ፣ በንጻሩ ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ዘምለኸ ግን ክሳርኡ ኣብ ዓለም ጥራሕ ኣይኮነን።
*1. ኣማኒ ናይዛ ከሊማህ (ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ) ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን፣ ነቲ ሓቐኛን እንኮን ፈጣሪ ሰማያትን መሬትን ዝኾነ ጎይታ ኢዩ ዝኣምን፣ እወ ነቲ ጎይታ ምዕራብን ምብራቕን ዝኾነ ሓደ ኣላህ፣ ምንጪ ኩሉ ፍጥረት ካብ ሓደ ኣላህ ምዃኑ ስለ ዝኣምን ዝሕድሶ ነገር የለን፣ ተደናጋጽነቱ፡ ፍቕሩ፡
ሓልዮቱን ኣገልግሎታቱን ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጥራሕ ዝጠመተ ኣይኮነን። ኣጠማምቱኡ ዓቢ፡ ደረት ንቕሓቱን ፍልጠቱን ድማ ከምቲ ንግስነት ኣላህ/ ኣምላኽ ሰፊሕ ኢዩ፣ እዚ ብልጫ’ዚ እቶም ጠቕላላ ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ዝኣምኑን ኣብ ካልኦት ፍጡራት ኣካላት ዝኣምኑን ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዓቢ ብልጫ ኢዩ።
*2. ኣማኒ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ (ተውሒድ) ዝለዓለ ርእሰ-ክብሪ ኣለዎ፣ ኣላህ ወናኒ
ኩሉ ሓይሊ ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ ካብኡ ወጻኢ ረብሓታቱ ከይክልክሉሉ ወይ ከይጎድእዎ ዝፈርሖም ኣካላት የብሉን፣ ሽሻይ ዝህብን ዝኸልእን፡ ህይወት ዝሰኩዕን ህይወት ዝወስድን ሓደ ኣላህ ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝርዳእ፡ ብፍርሒ ዝሰግደሉን ዝመሻኸነሉን ሰብ ይኹን ካልእ ፍጡር የልቦን።
ንጸሎት የእዳዉ ናብ ኣላህ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ናብ መላእኽቲ ይኹኑ ካልኦት ቅዱሳት ሰባት ኣይዝርግሕን፣ ዕብየት ናይ ኣላህ እንተዘይኮይኑ ናይዝኾነ ካልእ ኣይዓጦን ኢዩ፣ ንመላእኽቲ ይኹኑ ቁዱሳት ሰባት ንዖኦም ዝግባእ ክብሪ ዝህቦም’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ኣላህን ልዕሊ ኣላህን ግን ኣይሰርዖምን ኢዩ፣ እዚ ርትዓዊ ኣረኣእያ’ዚ ብርግጽ ንተውሒድ ብምፍላጥን ምርዳእን ጥራሕ ክንረኽቦ እንኽእል ብልጫ ኢዩ።
*3. እምነት ተውሒድ ንሓደ ኣማኒ ርትዓውነትን ትሕትናን ኢዩ ዘመንጭወሉ፣
ሓሶትን ምስሉይነትን ኣብ ጥቕኡ ኣየቕርብን፣ ገታር፡ ትዕቢተኛን ሓሳድን ሰብ’ውን ኣይከውንን፣ ስሰዐ፡ ሸፈጥ፡ ዓብላልነትን ቅድም ነዓይን ኩሉ ነዓይን ዝብል እኩይ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኡ ቦታ የብሎምን፣ ኩሉ እቲ ዝውንኖ ናይ ኣላህ ምዃኑ፡ ኣላህ ድማ ኣብ ዝደለዮ እዋን ክወስዶ ከምዝኽእል ስለዝፈልጥ፡ ብዘለዎ
ጥዕና ይኹን ሃብቲ ኣይንየትን፣ በንጻሩ ኣብቲ ብርቂ ዝኾነ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ፤ ኣብ ዓለማዊ ህይወቱ ዓወት ምስ ዝረክብ፤ ዓወቱ ምስ ብልሑን ውልቃዊ ጻዕሩን ጥራሕ ኢዩ ዘተኣሳስሮ፣ ስለዝኾነ ድማ መን ከማይ ብምባል ብትዕቢት ኣይትሓዙኒ ኢዩ ዝብል።
*4. ምንጪ ዓወትን ድሕነትን ጽሬት መንፈስን ሰናይ ግብርን ጥራሕ ምዃኖም ስለ
ዝግንዘብ፤ ኣማኒ ተውሒድ ብሰናይ ተግባር ኢዩ ዝመላለስ፣ ከምቶም ኢ-ዚሄራውያንን ብዙሐ-ዚሄራውያንን ኣብ ዘይጭበጥ ትምኒት እናንሳፈፈ ኣይነብርን፣ ገለ ካብኣቶም ወዲ ኣምላኽ ንሓጥያትና ሓጺብዎ ኢዩ ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ ሕሩያት ኣምላኽ ስለዝኾና ኣምላኽ ኣይቐጽዓናን ይብሉ፣ ገሊኦም ድማ እቶም ቁዱሳት ኢዮም እናበሉ ዘምለኽዎም ፍጡራት ሞንጎኛታት ብሙዃን ከድሕኑና እዮም ኢሎም ይሓልሙ፣ እቲ ትርጉም ዘይብሉ ተስፋታት ኣመና ብዙሕ ኢዮ፣ ድሒና ኢና፡ እከለ ክወሓሰና ኢዩ፡ ወ.ዘ.ተ. ስለ ዝብሉ ነቲ ተዓዛቢን ሰማዒን ኩሉ ዝኾነ ሓያል ኣላህ ኣይፈልጥዎን፣ ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ
ቅድሚ ጎይታ ቀሪቦም ን እምነቶምን ተግባራቶምን በብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ስለዝኾነ ብቕይዲ በተኽነት ነብሶም ዝኣዘዘቶም ወትሩ ብምምላእ ጊላታት ድልየታቶምን ስምዒታቶምን ይኾኑ፣ ኣማኒ ሓደ ኣላህ (ተውሒድ) ግን ከምኡ ኣይገብርን።
ዝብሎን ዝገብሮን ዘበለ ኩሉ ከምዝሕተተሉ
ስለዝፈልጥ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ኢዩ ዝንቐሳቐስ፣ እዚ ስነ-ምግባር እዚ ውጽኢት ተውሒድ ወይ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ኢዩ።
*5. ኣማኒ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ፡ ተስፋ ኣይቆርጽን ኢዩ፣ ርህራሄን በረከትን ኣላህ ወሰን ከም ዘይብሉ ስለ ዝፈልጥ ብተስፋ ዝተመለአ እዮ፣ ኣብቲ ወጣሪ ኩነታት’ውን እንተኾነ። ደገፍ ኣላህ ከምዘይፍለዮ ካብ ውሽጢ ልቡ’ዩ ዝኣምን፣ ኣብቲ ናይ ህይወት ሓፍ ኮፍ ክጽገም ከሎ፡ ጥዕና ስኢኑ ክሳቐ ከሎ ኣላህ ይዕዘቦ ምህላዉ ስለዝፈልጥ፡ ኣየማርርን ኢዩ፣ ኣላህ ኣብ ዝፈቐዶ ክርህዎን ክጥዕይን ምዃኑ እንተዘይኮነ ድማ ኣብቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ዓስቢ ትዕግስቱ ብርግጽ ክኽፈል ምዃኑ ኣጸቢቑ ኢዩ ዝፈልጥ፣ ካብኡ ንላዕሊ ንዑኡ ዝሓይሽ ዝፈልጠሉ እቲ ፈላጥ ኣላህ ዶ ኣይኮነን?፣
በንጻሩ ብ ሓደ ኣላህ ዘይኣምን ሰብ ኣተሓሳስብኡ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ፣ ሽግር ምስ ዘጋጥሞ ዓለም ከም ኣፍ ዑንቂ ትጸቦ፤ ዘልዕሎን ዝጭብጦን ኣይፈልጥን፤ ዝውስኾ እኳ እንተዘይብሉ ጸርጸር ይብል የማርር፤
ኣብ ሚዛን ኣጠማምትኡ፡ ካብቲ ተጻዋርነቱን ትዕግስቱን እቶም ጎኒፎሞ ዘለዉ ጸገማት ዝኸብዱ ስለ ዝመስሎ ነፍሰ-ቅትለት ይፍጽም፣ እታ ነብሱ ናቱ ዘይሙዃና ኣበይ’ሞ ኢልዎ!።
*6. ሓደ ሰብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ምስ ዝኸውን ቆራጽን ጅግናን’ውን ይኸውን ኢዩ። ምኽንያቱ ጃጃዊ ወይ ፈራሕ ዝገብሩ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኢዮም።
ሀ). ልዑል ፍቕሪ ህይወትን ክቱር ፍርሒ ሞትን
ለ).ካብ ኣላህ ወጻኢ ሞት ዘምጽእን ሞት ዝከላኸልን ኣካል ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ኢየን።
ይኹን’ምበር ሙሉእ እምነት ተውሒድ እንተልዩ እዘን ክልተ ምኽንያታት ፍጹም ቦታ የብለንን፣ ዝኾነ ሰብ ህይወቱ፡ ንብረቱን ካልእ ነገራትን ናይ ኣላህ ምዃኑ ተውሒድ ምስ
መሃሮ፡ ዓቀኑ ዚሓለፎ ፍቕሪ ህይወትን ፍርሒ ሞትን ንእለቱ ኢየን ዝጠፍኣሉ፣ ምእንቲ ኣላህ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ድማ ድሉው ይኸውን፣ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ይኹን ዝሓየለ ሰብን እንስሳን ብዘይፍቓድ ኣላህ ህይወቱ ክወስዱ ከምዘይክእሉ ምስ ፈለጠ ድማ ካብታ ካልአይቲ ፍርሒ ይናገፍ፣ ዝኸበደ ሕማም
ይሕመም፡ ኩሎም ሓይልታት ተጠርኒፎም የጥቕዕዎ፡ ካብታ ኣላህ ዝወሰነሉ ዕለት ኣየጉድል ኣይውስኽ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ካብ ኣማኒ ሓደ ኣላህ ዝኾነ ሰብ ዝተብዕ ሓደ’ኳ የለን።
*7. እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ተውሒድ ወይ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ግን ካልእ ኢዩ፣ ንሱ
ድማ ተኣዛዝን ተምበርካኽን ሕጊ ኣላህ ከምትኸውን ይገብረካ፣ ሓደ ኣማኒ ተውሒድ፡ ንዑኡ ኣላህ ካብ ዝኾነ ካልእ እቲ ዝቐረበ ኢዩ፣ ጸልማት ጉልባብ ጌሩ ወይ ብሓደ ኩርናዕ ተኸዊሉ ሓጥያት እንተፈጸመ’ውን ካብ ሰብ እምበር ካብ ኣላህ ከምዘይሕባእ ይፈልጥ፣ ኣላህ ፈላጢ ሕቡእን ግሉጽን’ዶ ኣይኮነን!!!
ንዝኾነ ከተታልል ትኽእል ንኣላህ ምትላል ግን ብጥራሽ ኣይከኣልን፣ ስለዚ ሙስሊም ንሙዃን እቲ ዝዓበየን ቀንድን ቅድመ-ኩነት ኣብዛ ረዛን ኢስላማዊት ከሊማህ ማለት ኣብ “ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ” ምእማን የድሊ፣ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከምዝረኣናዮ ሙስሊም ማለት ንፈጣሪኡ ስዩም ብምባል ዝተንበርከኸ ወይ ኢዱ ዝሃበ ማለት ኢዩ።
ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ረዚን ምህሮ ኢዮም ኣመሓላሊፎም፣ ላ ኢላሃ ኢላ’ላህ ዝብል ኣምር እምነ-ኩርናዕ እስልምናን እምነትን ኢዩ፣
ካልኦት ትእዛዛትን ሕጊታትን እስልምና ኣብዚ መሰረት’ዚ እዮም ዝትከሉ፣ ብርግጽ እስልምና ዘይተንከፎ ኣርእስቲ የለን።
እንሻኣሏህ ይቕጽል…………………
ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ካልኣይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብመላእኽቲ እዩ!!
*2. እምነት ብመላእኽቲ ኣላህ
ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ ህላወ መላእኽቲ ኣላህ ክንኣምን እውን ኣዚዙና ኢዩ፣ ካብቶም ዝጠቐስናዮም ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት፤ ድሕሪ እምነት ብሓደ ኣላህ፤ እዚ እምነት’ዚ ብካልኣይ ደረጃ ኢዩ ዝስራዕ።
ነቢይ ሙሓመድ ሰ,ዓ,ወ ብዘመሓላለፉልና ሓበሬታ መሰረት፡ መላእኽቲ ፍጡራት ኣላህ እዮም፣ ኣብ መሎኮታውነት ኣላህ ግና ዝኾነ ብጽሒት የብሎምን፣ መላእኽቲ ኣላህ እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ጥራሕ እዮም፣ ዝተኣዘዝዎ ዕዮ ብምልኣትን ብጽፈትን የከናውኑ፣ ብዘይፍቓድ ኣላህ ሓንቲ እመት’ውን ትኹን ኣይንቀሳቐሱን፣ ብድልየቶም ዝኾነ ነገር ክገብሩ ሓንቲ ስልጣን የብሎምን፡፡
ናታቶም ውጥን ወይ ፕሮጀክታት ከቕርቡን ብዛዕባ ዝኾነ ሰብ ምስ ኣላህ ከማልዱን (ክምሕጸኑ) ፍቓድ ኮነ ክእለት የብሎምን፣ ነዓኣቶም ምምላኽን ምሕጽንታ ምቕራብን ንወዲሰብ ውርደትን ሕስረትን ጥራሕ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብታ ንኣዳም ዝፈጠረላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፡ መላእኽቲ ን ኣዳም ክሰግዱሉ ኢዩ ኣዚዝዎም።
ኣላህ ንወዲሰብ ካብኣቶም ንላዕሊ ንቕሓትን ፍልጠትን ኢዩ ሂብዎ፣ ወዲሰብ እቲ መላእኽቲ ዝሰገዱሉ ዝኸበረ ፍጥረት ክንሱ ከመይ ኢሉ ነቶም ዝሰገዱሉ ፍጡራት የምልኽ?፣ ብርግጽ ንሓደ ዘስተውዕል ሰብ ካብ ንመላእኽቲ ምምላኽ ዝዓቢ ወርደት ከቶ የልቦን፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ን መላእኽቲ ከይነምልኾምን ምስ ኣላህ ከይነዛምዶምን ብጽኑዕ ኣጠንቂቖምና ኢዮም።
በቲ ነዓኣቶም ዝምልከት ብሉኡኽ ኣላህ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተዋህበና ሓበሬታ ብምቕባል ህላዌኦም ምእማን ጥራሕ ኢዩ እቲ ካባና ዝድለ፣ መላእኽቲ ኣላህ ሕሩያት ፍጡራቱ እዮም፣ ካብ ሓጥያት/ዘንቢ ነጻ እዮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ በቲ ኣላህ ዝሃቦም ባህሪ ካብ ትእዛዛቱ ወጻኢ ክሕንግዱ ብፍጹም ኣይክእሉን፣ ነቢይና ሰ,ዓ,ወ ከም ዝሓበሩና መላእኽቲ ኣላህ ብኹሉ ሸነኻት ኣኽቢቦምና እዮም ዝርከቡ፣ ኣብ ዝተንቀሳቐስናዮ ቦታ ወትሩ የሰንዩና፣ ኩሉ እቲ እንፍጽሞ ሕማቕን ጽቡቕን ተግባራት ድማ እናተዓዘቡ ይስንዱ፣ ድሕሪ ሞት ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ናይቲ ኣብ መሬት ከለና ዝገበርናዮ ሙሉእ ጸብጻብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣላህ የረክቡ፣ ኩሉ እቲ ዝተመዝገበ ብሙሉኡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ቁኑዕ ኮይኑ ድማ ክንረኽቦ ኢና።
ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት መላእኽቲ ዝተሓበርናዮ’ኳ እንተዘየለ፡ ገለ ብዛዕባ ክብሮምን መለለይታቶምን ግን ተጠቒሱልና ኣሎ፣ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብሃለዋቶም ክንኣምን ድማ ንሕተት፣ ካብዚ ወጻኢ ብዛዕባ ፍጥረቶም፡ ዓይነቶምን መለለይታቶምን ክንፈልጠሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ ወለሓደ የለን፣ ብቕርጻ ይኹን ብቅብኣ ወይ ብዝኾነ መልክዕ ብምስሊ ከነዳልዎም እንተፈቲንና ብኣጠማምታ እስልምና ዓቢ ሓጥያት ኢዩ።
ነቲ ዝተነገረና ብምስዓብ ክንኣምን ጥራሕ ኢዩ ዝግባእ፣ መላእኽቲ ዝበሃሉ የለዉን ኢላካ ምንጻግ ግን ኩፍር ወይ ክሕደት ኢዩ፣ ምኽንያቱ ሓደ እንነጽገሉ መርትዖ የብልናን ካልኣይ ድማ ከምኡ ብምባልና ን ኣስተምህሮ ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዳርጋ ምንጻግ ኢዩ ዝቑጸር፣ ብሓጺሩ ብመላእኽቲ ኣላህ ንኣምነሉ ቀሊል ምኽንያት ልኡኽ ጎይታ ዝኾኑ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምን ስለ ዝኣዘዙና ኢዩ።
እቲ ሳልሳይ ድማ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ እዩ።
*3. እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ
እቲ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክንኣምነሉ ዝኣዘዙና ሳልሳይ ዓንዲ እምነት ብመጻሕፍቲ ኣላህ ምእማን ኢዩ ነይሩ፣ ቅድሚ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ልኡኻቱ ቁዱሳት መጻሕፍቲ ልኢኹ እዩ፣ ልክዕ በቲ ንቁርኣን ዝሰደደሉ ኣገባብ ድማ እዩ ሊኢኽዎም፣ ገለ ካብቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣብ ቁርኣን ዝተጠቐሱ ኣለዉ ንሳቶም ድማ÷
*1) ተውራት
*2) ዘቡር
*3) ኢንጂል
*4) ቁርኣን እዮም።
እዞም ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ብስም ዝተጠቕሱ እዮም፣ ናይቲ ኣላህ ናብ ካልኦት ነቢያቱ ዝለኣኾም ኣስማት መጻሕፍቲ ግን ኣብ ቁርኣን ኣይተሓበረን፣ ስለዝኾነ በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ሃይማኖታውያን መጻሕፍቲ ኣፍና መሊእና ምንጮም ካብ ኣላህ እዩ ወይ ኣይፋሉን ኢልና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ብሓፈሻ ግን ዝኾነ ይኹን ኣላህ ዝለኣኾ መጽሓፍ ካብ ኣላህ ክሳዕ ዝኾነ ቅኑዕ ኢዩ፣ መዝሙር ዳዊት፡ ቶራህ ናይ ሙሴን ወንጌል ናይ ኢየሱስን ግን ምስ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣለዉ፣ እንተኾነ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ከምዝሕብረና እቶም መጻሕፍቲ በቲ ኣላህ ዝለኣኾም መልክዕ መቦቆላዊ ትሕዝቶኦም ከምቲ ዝተላእኮ ኣይተዓቀበን፣ ምቅይያራትን ተወሰኽቲ ሓሳባትን ተገይርሎም ኢዩ፣ ስለዝኾነ እቲ መበቆላዊ ትሕዝቶ ቃል ኣምላኽ ምስቲ ድሒሩ ብሓንጎል ሰባት ዝተወሰኸ ስለዝተሓዋወሰ ብዙሕ ምግሕማጥ ኣልዎ።
እቲ ኣብቶም መጻሕፍቲ ዝተኻየደ ብልሽውናን ብከላን ኣዝዩ ግሉጽን መጠነ-ሰፊሕን ስለዝኾነ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣይሁድን ክርስትያንን ነዚ ርኡይ ሓቂ ይቕበልዎ እዮም፣ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፍ ዘይኮነ። ትርጉሙ ጥራሕ ኣብ ኢዶም ምህላዉ ይዛረቡ፣ እዚ ተተርጒሙ ዝተዳለወ ንባዕሉ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ብዙሕ ለውጢ ከም እተገብረሉን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ ሓደ ከምዘይረገአ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ነዞም መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ከነጽንዖም እንተፈቲና፡ ቃል ኣምላኽ ክኾኑ ዘይክእሉ ሑጥበ-ጽሑፋትን ጥቕስታትን ኣለዉ፣ ብሓፈሻ እቶም ጽሑፋት ብጣዕሚ ስለዝተሓዋወሱ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ኣየናይ ካብ ኣምላኽ ኣየናይ ከ ብሰብ ዝተሓወሰ ምዃኑ ንምፍላይ የሸግር እዩ፣
ሓደ ሙስሊም ብመጻሕፍቲ ኣላህ ይኣምን ኢዩ ክበሃል ከሎ፡ በቲ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ ኣላህ ብርግጽ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ጽፉፋት መጻሕፍቲ ሊኢኹ ምንባሩ ምቕባል ንማለት ጥራሕ እዩ፣ እቶም ካብ ኣላህ ናብ ዝተፈላለዩ ነብያት ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ምንጮም ካብ ሓደ ኣላህ እዩ ነይሩ፣ እቲ ን መጻሕፍቲ ሙሴ፡ መዝሙር ዳዊትን ወንጌል ኢየሱስን ልኢኹ፣ ብተመሳሳሊ እቲ ነቶም ዝጠቐስናዮም መጻሕፍቲ ዝለኣኸ ሓደ ኣላህ ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ኪዳኑ ዝኾነ ቅዱስ ቁርኣን ናብ መላእ ህዝቢ ዓለም ልኢኽዎ፣
ኣላህ ንቅዱስ ቁርኣን ከም መሎኮታዊ መጽሓፍ ምልኣኹ ሓድሽን ዘገርምን ፍጻሜ ኣይኮነን።
ቅዱስ ቁርኣን ንሓቐኛ መልእኽታት ናይቶም ዝጸነቱን ዝተበረዙን መጻሕፍቲ ደጊሙ ክኹልዕን ከረጋግጽን ኢዩ መጺኡ፣ ኣብ ሞንጎ ቁርኣንን እቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህን ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ ኣሕጽር ኣቢልና ገለ ካብቶም ብቐንዲ ዝጥቐሱ ጥራሕ ንርአ÷
*1. መብዛሕቶም ካብቶም ኣቀዲሞም ዝተላእኩ ጽሑፋት፡ እቲ መቦቆላዊ ጽሑፎም ጠቕላላ ጠፊኡ እዩ፣ ሎሚ ናቶም ትርጉም ጥራሕ እዩ ተዓቂቡ ዘሎ፣
በንጻሩ ቁርኣን በቲ መቦቆላዊ ትሕዝቱኡን ቛንቁኡን ሓንቲ ንጽል ፊደል ከይጎደለቶ ልክዕ ከምታ ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝተላእካ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይርከብ፣ ከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ዝኾነ በደል ከይወርዶ ኣላህ ባዕለይ ክሕልዎ እየ ኢሉ ቃል ኣትይሉ እዩ።
*2. ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ትሕዝቶ ቁርኣን ብሙሉኡ ቃል ኣላህ ዝተመልአ እዩ፣ ዘይከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት፡ ቃል ኣምላኽ ምስ ናይ ሰባት ጸብጻባት ዝተሓዋወሰ ኣይኮነን፣ ጽርየት ቁርኣን ወላ በቶም ጸላእቱ ከይተረፈ
ዝተመስከረ እዩ።
*3. ቁርኣን ናብ ሓደ ነቢይ ዝተላእከ መሎኮታዊ መጽሓፍ እዩ፣ ዘይከም’ቶም ቀዳሞት ጽሑፋት ብዙሓት ጸሓፍቲ ኢዶም ዘንበሩሉን ዝተኣኻከበን ኣይኮነን፣ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ምዕራፍ ትኹን ጥቕሲ ካብ ኣላህ ዝተላእከትሉ ግዜ፡ ቦታን ሽዑ ዝነበረ ኩነታትን ብንጹር እውን ክፍለጥ ይከኣል።
*4. እቶም ቀዳሞት ቁዱሳት መጻሕፍቲ ዝተላእኩሉ ቛንቋታት እቶም ካብ ዝሞቱ ነዊሕ ዝገበሩ ቛንቋታት ኢዮም፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝኾነ ህዝቢ ይኹን ሕብረተሰብ ንዘረባን ጽሕፈትን ዝጥቐመሎም ሓደ’ኳ የለን፣ ነቶም ቛንቋታት ንፈልጦምን ንርደኦምን ኢና ዝብሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፣ እቶም
ቁዱሳት ጽሑፋት ወላ’ውን በቲ ዝተላእክዎ መልክዕ ተዓቂቦም እንተ ዝጸንሑ ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜና በቲ ሓቐኛ መንፈሶምን ትርጉሞምን ተረዲእካ ኣብግብሪ
ምውዓሎም ኣመና መሸገረ ነይሩ፣ በንጻሩ ቁርኣን ዝተላእከሉ ቛንቋ ገና ብህይወት ዘሎ ቛንቋ እዩ፣ ሚልዮናት ኣህዛብ ይዛረብዎ፣ ካልኦት ሚልዮናት ድማ ይርድእዎን ይፈልጥዎን፣ ሎሚ ቛንቋ ዓረብኛ ዳርጋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዋ ዩኒቨርሲታት ዘስተምህራሉ ቛንቋ ኢዩ፣ ዝኾነ ሰብ ክመሃሮ ይኽእል ኢዩ።
እቲ ንኽመሃሮ ግዜ ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ቛንቋ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኪረክብ ስለዝኽእል። እንተወሓደ ንቁርኣን ነቢቡ ክገልጸሉ ይኽእል ኢዩ።
*5. ቀዳሞት ቁዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ውሱናት ሕብረተሰብን ንውሱን ግዜን ከገልግሉ ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ ነቲ ናይ ሽዑ እዋን ዝጠቕሙ ዝተፈላለዩ ትእዛዛት ድማ ዝሓዙ እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣድላይነት የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ዝእዝዝዎም ትእዛዛት ከምቲ ዝድለ ከተተግብሮም ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።
ከምቲ ዝተጠቐሰ ዕላማ እቶም ጽሑፋት ንውሱን ግዜ’ምበር ንዘልኣለም
ክቕጽሉ ኣይኮኑን፣ ወላ’ቶም ዝተቐበልዎም ኣህዛብ ንዝተወሰነ እዋናት ክጥቐሙሎም ጥራሕ እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ቁርኣን ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ንኩሉ ግዜን ዝተለኣኸ ቃል ኣምላኽ እዩ።
ንፍሉያት ኣህዛብ እናረቖሐ ዘይኮነ ንወዲሰብ ብሓፈሻ እዩ ዝዛረብ፣ ዘልኣለማዊ ሕጊ ሰብኣውነት ድማ ኢዩ።
*6. ቀዳሞት ቁዱሳት ጽሑፋት ንስነ-ምግባራውን ሞራላውን ህይወት ወዲሰብ
ዝምህሩ ኣይኮኑን ኢልካ ምኽሓድ ርትዓውነት ዘይብሉን ስምዒታውን ዘረባ ኢዩ፣ ክብሪታት ወዲሰብ ንክጸንዕ ብርግጽ ዓቢ ኣበርክቶ ነይርዎም እዩ።
ይኹን’ምበር ልክዕ ከም ናይ ቅዱስ ቁርኣን ብኹሉ መዳያቶም ኣጠቓላሊ መልሲ ዝህቡ ኣይኮኑን፣ ገሊኦም ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ጥራሕ ዘተኮረ ትምህርቲ ይህቡ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ካልእ ጉዳይ የተኩሩ፣ ኮታ ንኹሉ ግዜ ዝኸውን መምርሒን ስርዓትን ክውንኑ ብዙሕ ዝተርፎም ኣሎ፣ ቁርኣን በንጻሩ ዘይትንክፎ ጉዳይ ናይ
ህይወት የለን፣ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ጉዳያት ህይወት ሓቚፉ ይርከብ፣ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካልኦት እልቢ ዘይብሎም ምኽንያታትን ኣደናቒ ባህርያት ቁርኣንን እዩ ‘ምበኣር መላእ ህዝቢ ዓለም ናብኡ ክኣምን ብኣላህ ዝእዘዝ፣ ኩሉ’ቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ኣወንዚፉ ነዚ ደምዳሚ ኪዳን ኣላህ ዝኾነ ቁርኣን ክስዕብ ኣሎዎ፣ ምኽንያቱ ትሕዝቶ ናይቶም ዘይተበረዙ ቀዳሞት ጽሑፋት ኣላህ ደጊሙ ኣብ ቁርኣን ኣስፊርዎ ኢዩ።
ስለዚ ኣብ እስልምና ኣንቱእሚኑቢኪታቢሂ ወይ “ብመጻሕፍቱ ክትኣምን” ክበሃል ከሎ፡ ነቶም ኣላህ ዝለኣኾም መጻሕፍቲ ኣላህ ብርግጽ ከምዝለኣኾም ምምስካር ማለት ጥራሕ ኢዩ፣ ኩሎም እቶም ዝተላእኩ መጻሕፍቲ ኣላህ ቁኑዓት ሙዃኖም፤ ኣኣብ ዝተላኣኽዎ ወቕቲ ንዝነበሩ ኣህዛብ ጥራሕ ከም እተላእኩን፤ በቲ ቁርኣን ዝተላእከሉ ዕላማ ከምእተላእኩን ምምስካር ሓደ ካብ ዓንድታት እምነት (ኣርካን ኣል ኢማን) ኢዩ፣ ንቁርኣን ብዝምልከት ግን
ክንኣምን ጥራሕ ዘይኮነ ክንስዕቦ’ውን ንሕተት!!
ንቁርኣን ብዝምልከት፦
* ብፍጹምን ብዘይኩነትን ቃል ኣላህ ምዃኑ፤
* ብዘይውልውል ሓቂ ምዃኑ፤
* ሓንቲ ንጽል ነጥቢ’ውን ትኹን ከይጎደሎ ከምእተዓቀበ፤
* ኩሉ እቲ ኣብ ቁርኣን ዝጥቀስ ብሙሉኡ ሓቂ ምዃኑ፤
* ኩሉ ሰብ ትእዛዛት ቁርኣን ከኽብር ሕልናዊ ሓላፍነት ከምዘለዎን፤
* ዝኾነ ኣንጻር ቁርኣን ዝለዓል ጠቐነ ንጹግ ምዃኑን ምእማን የድሊ!!!
……………እንሻኣላህ ይቕጽል …………
ኣሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ እቲ ራብዓይ ሩክኒ ሚን ኣርካን ኣል ኢማን እምነት ብሉኡኻት እዩ!!
ዓቒዳ/እምነት 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል!!!
*4. እምነት ብልኡኻት/ነቢያትኣላህ
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ’ቶም ዝሓለፉ ምዕራፋት ከምዝተጠቐሰ፡ ኣላህ ናብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ሉኡኻቱ ሰዲዱ እዩ፣ እቶም ዝተፈላለዩን ኣመና ብዙሓትን ዝኾኑ ነብያቱ ዘስተምሃርዎ ወይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ እዩ ዝነበረ።
እቲ መልእኽቲ ድማ “እስልምና” ይበሃል። ማለት ንኣምልኾ ሓደ ኣላህ ስዩም ብምባል ኢድካ ምሃብ ጥራህ እዩ ነይሩ እቲ ምህሮታቶም፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ነዚ ኣቦና ኣዳም ዝፈለሞ ምህሮ ቀጺልዎን ኣጠቓሊሉ ኣምጺእዎን እምበር ሓድሽ ትምህርቲ ኣየመሓላለፈን፣ ስለዝኾነ ልኡኻት ኣላህ መልእኽቶም ሓደ ስለ ዝነበረ፡ ኣላህ ባዕሉ ብኹሎም ክንኣምን ይእዝዘና፣ ንሓደ ኣሚንካ ንሓደ ካልእ ምኽሓድ ግን ጌጋ እዩ፣ ምኽንያቱ ብደቂቕ እንተ ኣስተውዒልናሉ ንሓደ ምእማን ነቲ ሓደ ምኽሓድ ማለት ንኹሎም ብጠቕላላ ከም ምንጻግ ማለት ኢዩ፣ ሕመረት ናይ’ዚ ኣምር ምእንቲ ኣጸቢቕና ክንርደኦ፡ እስከ ነዛ ንእሽቶ ኣብነት ንርአ÷
ዓሰርተ ሰባት ብፊደል ይኹን ብመንፈስ ፈጺሙ ዘይፍለ ሓንቲ ዓይነት ዓረፍተ-ነገር (ምሉእ ሓሳብ) ገበሩ ንበል። ንሓንቲ ካብዘን ዓረፍተ-ነገራት ቅንዕቲ’ያ ኢልና እንተተቐቢልና፡ ነተን ዝተረፋ ትሸዓተ ዓረፍተ-ነገራት ድማ ብርግጽ ክንቅበለን ኣለና፣ ምኽንያቱ እተን ዝተረፋ ትሸዓተ ምሉኣት ሓሳባት ካብታ ዝተቐበልናያ ምልእቲ ሓሳብ ዝፈልየን ወለሓንቲ የለን፣ ብተመሳሳሊ ንሓንቲ ካብተን ዓረፍተ-ነገራት እንተ ነጺግና ድማ ንኹሉ ከምዝነጸግና እዩ ዝቑጸር፣ ምኽንያቱ ኩለን እተን ዓረፍተ-ነገራት ሓንቲ ዓይነት ስለዝኾና።
ስለ’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ሃይማኖት እስልምና ብኹሎም ልኡኻት ኣላህ ምእማን ብጣዕሚ ኣገዳሲ ዝኸውን፣ ብኩሎም ነብያት እመን ዳኣ’ምበር። ፍልይ ኣቢልካ ንሓደ ነቢይ ኣይኣምነሉን’የ ምባል፤ ክሕደት ወይ ኩፉር ኢዩ ዝቁጸር፣ ኣብ ቅዱስ ቁርኣን ዕስራን ሓሙሽተን ነቢያት ብስም ተጠቒሶም ኣለዉ። ነዚኣቶም ብግቡእ ክንኣምነሎም ከለና፡ ነቶም ኣብ ቁርኣን ዘይተጠቐሱ ግን ኣላህ ሊኢኸዮም ኢየ ዝበለ ነቢያት ድማ ብድምዱሙ ሓቀኛታት ሉኻት ኣላህ ምንባሮም ንቕበል።
ክሎም ነቢያት ኣላህ ማዕረ እዮም ኢልና ኣለና፣ ከየበላለጽና ድማ ንኣምነሎምን ንቕበሎምን፣ ንማዕርነቶም ከየፍረስና ስለስተ ፍልልያት ግን ከነስተውዕል ንኽእል።
*1. ኩሎም እቶም ቀዳሞት ነቢያት ንዝተወሰኑ ናታቶም ሕብረተሰባትን ንሓጺር ግዜን እዮም ተላኢኾም፣ በንጻሩ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግን ንመላእ ደቂ ኣዳምን ክሳዕ መኸተምታ ዓለም ንኹሉ እዋንን ኢዩ ተልእኾኡ።
*2. ናይ መብዛሕቶም ነብያት መጻሕፍቲ ይኹን ኣስተምህሮታቶም ዝጠፈአ
ክጠፍእ ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ የእዳው ደቂ ሰባት ኣትይዎ ኢዩ። በንጻር’ዚ ቁርኣን ይኹን፡ ኣስተምህሮታት ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡
መደረታቱ፡ ልምድታቱን ሞራላውነቱን ብግቡእ ተዓቂቡ ኣሎ። ስለዝኾነ ካብቶም ቀዳሞት ነብያት ብዝያዳ ገና ህይወት ለቢሱ ዘሎ ሰብኣዊ መንነት
(ፐርሰናሊቲ) ናይ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኢዩ።
ብ ኣሰር እግሪ ናይዚ ናይ መወዳእታ ልኡኽ ኣላህ ዝኾነ ነቢይ ድማ ተኣማሚንካ ንሓደ ጎይታ ክትግዛእ ትኽእል።
*3. ኣላህ ናብቶም ዝሓለፉ ኣህዛብ መልእኽተኛታቱ ክሰድድ ከሎ፡ ምስቲ ናታቶም
ግዜ ዝኸይድ ሕግታትን መምርሒታትን እናሃበ ኢዩ ዝልእኮም ዝነበረ። ስለዝኾነ እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ነቢይ ወይ ልኡኽ ኣላህ ድማ ኣብቲ ዝጸነሐ ሕግታት ምቅይያራትን ምምሕያሻትን ይገብር ነበረ። ምኽንያቱ እቲ ግዜን እቶም ኣህዛብን ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብዙሕ ፍልልያት ኢዩ ዘለዎም። ነፍሲ-ወከፍ ስዒቡ ዝመጸ ነቢይ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕግታት እናመሓየሸን እናጸረበን ክሳዕ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኣብጺሖሞ። ነቢይ
ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ድማ ነቲ ዘይተማለአ ሕግታት ብምጽፋፍ፡ ንኹሉ መዳያት ህይወት ሓደ ብሓደ ዝትንክፍ ጎደሎ ዘይብሉ ሃብታምን ውዱእን ስርዓት ብምቕራብ፡ ነቲ ናይ ነብያት ሰንሰለት ዛዚምዎ።
ፍትዋት የሕዋተይ ብዘይወገንነት እንተ መርሚርናዮ፡ ኩሉ’ቲ ነዚ ህሉውን መጻእን ሕብረተሰባት ዘገድስ፡ ፍቕሪ፡ ሓልዮት፡ ምክብባርን ስኒትን ዘንግስ፡ ክስራሓሉ ዝኽእልን ዘልኣለማዊ ባህሪ ዘለዎን ስርዓታት ናይቶም ዝሓለፉ ነብያት ብምልኣት ኣብ እስልምና
ተጠቓሊሉ ኢና ንረኽቦ። ንነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ምኽታል እምበኣር ንኹሎም እቶም ዝሓለፉ ቀዳሞት ነብያት ከም ምኽታል ማለት እዩ።
ስለዚ ሓቀኛ ተምበርካኺ ኣላህ ወይ ሙስሊም ንሙኳን ኣብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሙሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ፣ እዚ ማለት ድማ፦
ሓቀኛ ልኡኽ ኣላህ ምዃኑ ምቕባል፣
ኣስተምህሩኡ ካብ ጌጋታትን ብልሽውናን ነጻን ፍጹምን ምዃኑ ምምስካር፣
ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናይ መወዳእታን ዛዛሚን ናይቶም ሰንሰለታውያን ነቢያት ምዃኑን ብድሕሪኡ ዝኾነ ነቢይ ከምዘይመጽእን ምእማንን የድሊ።
እቲ ሓምሻይ እምነት ብመወዳእታ ማዓልቲ ማለት (ብየውም ኣልቅያማህ).
*5. እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ኣብ እስልምና እምነት ብ መወዳእታ መዓልቲ ሓደ ካብ ዓንድታት ኢማን/እምነት ኢዩ፣ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብ “ህይወት ድሕሪ ሞት” ወይ ድማ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ከምዘሎ ክንኣምን ይእዝዙና።
ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ኣላህ ዝወሰኖ ዕለት ዓለማዊ ህይወት ክፍጸም ኢዩ፣ ኩሉ ነገር ድማ ጠቕላላ ኪዓኑ ኢዩ፣ እዚ መዓልቲ’ዚ “ቅያማ” ወይ መወዳእታ መዓልቲ ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ መወዳእታ መዓልቲ ዝነበርና ኩላትና ደቂ ሰባት ዳግም ብህይወት ክንምለስ ኢና፣ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ቀሪብና ድማ ግቡእ ፍርድና ንቕበል፣ እዚ ፍጻሜ “ሓሽር” ወይ ትንሳኤ ይበሃል።
ካብቲ ዝደቐቐ ክሳዕ’ቲ ዝለዓለ ዝፈጸምናዮም ተግባራት ብሙሉኦም ተሰኒዶም ስለዝጸንሑ፡ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ናብ ኣላህ ክንቀርብ ኢና፣ ስለዝኾነ ድማ እቲ ብሓደ ኣላህ ዝኣመነን ሰናይ ግብሪ ዘብዘሐን ሰብ ዝለዓለ ዓወት ብምጉንጻፍ ዓስቡ ይኽፈል፣ በንጻሩ እቲ ብዘይካ ኣላህ ንካልእ ዘምለኸን እከይ ተግባራቱን ሓጥያታቱን ዝበዘሐ ድማ ውርደትን መቕጻዕትን ይቕበሎ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብውልቁ ተሓታታይ ኢዩ፣ ሓላፍነት ዝስከመሉ ሓደ’ኳ የልቦን።
ኩቡራት ሙእሚኒን የሕዋተይ ብእምነትናን ተግባርናን ዳኣምበር፡ ካልእ ሰብ ብዝፈጸሞ ሓጥያት ብፍጹም ኣይንሕተትን፣ ወዲ ሰብ ካብ ሓጥያት ነጻ ኮይኑ ኢዩ ዝፍጠር፣ እቲ ለዋህ፡ ደንጋጽን ሩህሩህን ኣላህ ኣቦና ኣዳም ዝሓጠዮ ሓጥያት ኣሰኪሙ ኣይፈጥረናን ኢዩ፣ ኣላህ ብለውሃቱ ንኣዳም ነቲ ዝገበሮ ሓጥያት ኣብ እዋኑ ይቕረ ስለዝበለሉ፤ ዝሰጋገር መቦቆላዊ ሓጥያት ዝበሃል ነገር የሎን፣ ስለዝኾነ ንድሕነሉ ወይ ንሳቐየሉ እንኮ ጠንቂ። እምነትናን ተግባራትናን ጥራሕ ኢዩ፣ መወዳእታ መዓልቲ እምበኣር እቶም ዕዉታት ናብ ናይ ዘልኣለም ህይወትን ፍሰሃን ዝርከባ ገነት ዝኣትዉላ መዓልቲ ክትከውን ከላ፡ እቶም ሓጢኣተኛታት፡ ገበነኛታትን ኣምለኽቲ ካልኦት ፍጡራት ዝኾኑ ድማ ናብታ ናይ ዘልኣለማዊ ስቅያት ዝርከባ ገሃነመ-እሳት ዝድርበዩላ ማዓልቲ ኢያ።
እቲ ሻድሻይ እነት ድማ እምነት ብ ኣልቕድር ቅድመ ድንጋገ ሕማቕ ይኹን ጹቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ከምዝፍጸም ምእማን።
*6. እምነት ብ ኣልቐድር/ ቅድመ-ድንጋጌ
ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ነገር ብፍቓድ ኣላህ ኢዩ ዝፍጸም፣ ኣላህ ከጋጥም ዝወሰኖ ዝኾነ ነገር ድማ ካብ ምግጣም ዝዓግቶ ዝኾነ ሓይሊ የለን፣ ስለዚ በቲ ኣላህ ኣቀዲሙ ዝደንገጎ ኩሉ ምእማን ኣካል ኢስላማዊ እምነት ኢዩ፣ ኣላህ ነቶም ዛጊት ዘጋጠሙን ብሕጂ ዘጋጥሙን ገና ከይጋጠሙ ከለዉ ከምዝፈልጦም ምእማን የድሊ፣ ኩነታት ፍጡራቱ፡ ተግባራቶም፡ ዝጸንሕዎ ዕድመ ብንጹር ዝፈልጥ ኣላህ ጥራሕ ኢዩ፣ ስለዚ ዝኾነ ሰብ ብመሎኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ወይ ኣልቐድር እንተኣሚኑ፡ እዞም ዝስዕቡ ረብሓታት ኪጎናጸፍ ይኽእል÷
*1. ጸጋታቱ ናብ ኣላህ ብምሙርኳስ ኢዩ ዝጥቐመሎም ምኽንያቱ እቶም ጸጋታት ይኹኑ ጠንቕታቶም ብመለኮታዊ ቅድመ-ድንጋገ ኣላህ ዝተወሃብዎ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ።
*2. ዝህብን ዝኸልእን ዘጥዕን ዘሕምምን ዘምውትን ዘተስእን ሓደ ኣላህ ምዃኑ
ስለዝፈልጥ፤ ኣቀዲሙ ብምድንጋጉ ክቅይሮ’ውን ስለ ዘይክእል፤ ንዘለዎ ብምቕባል ናይ ኣእምሮ ቅሳነትን ህድኣትን ኢዩ ዝረክብ፣
ጽሟቕ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብዚ ምዕራፍ ዝተጠቕሱ ኣምራት ሽዱሽተ ዓንድታት እምነት ኣብእስልምና÷
1. እምነትብኣላህ፡ ንኣላህ ብንቕሓት ፈሊጥካን ተረዲእካን ከተምልኾን ክትግዘኦን ከምዘለካ፡ ኣብ ኣምልኾቱ ዝኾነ ፍጡር ወዲ-ሰብ ይኹን ኣማልኽቲ ክትሕውስ ከምዘይብልካ።
2. እምነት ብመላእኽቲ ኣላህ፡ ንኣላህ (ሱ,ወ) እሙናት ኣምለኽቱን ኣተግበርቲ ትእዛዛቱን ዝኾኑ መላእኽቲ ከም ዘለዉዎ፤ ኣብ ሞሎኮታውነቱ ዝኾነ ብጽሒት ከምዘይብሎምን ንዖኦም ምምላኽ መጠነ-ገዚፍ ሓጥያት ምዃኑን ምእማን።
3. እምነትብመጻሕፍቲ ኣላህ፡ ቅድሚ ቅዱስ ቁርኣን ኣላህ መጻሕፍቲ ከምዝለኣኸ
ምእማን፣ ካብኣቶም ኣብ ቁርኣን ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ኣላህ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
* “ቶራህ” ናይ ነቢይ ሙሳ/ሙሴ፡
* “ዘቡር/መዝሙር ናይ ነቢይ ዳውድ/ዳዊት
* ኢንጂል/ወንጌል ናይ ነቢይ ዒሳ/ኢየሱስ ክኾኑ ከለዉ፤ እቲ እንኽተሎ መጽሓፍ ግን ቅዱስ ቁርኣን ናብ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝወረደ መጽሓፍ ኢዩ።
4. እምነትብልኡኻት ኣላህ፡ ኣላህ ናብ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ነቢያት ወይ
ልኡኻት ከም ዝለኣኸ፤ እቶም ኩሎም ዝተላእኩ ነቢያት ነናብ ህዝቦም ከምዝለኣኾም፤ ነቢይ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ግና ደምዳሚ/ዛዛሚ ነቢይነት ብሙዃን ናብ መላእ ህዝብታት ዓለም ከም እተላእከ፤ ተልእኹኡ ክሳዕ መወዳእታ መዓልቲ ዓለም ከምዝቕጽልን፤ ብድሕሪኡ ዝመጽእ ነቢይ
ከምዘየለን ምእማንን፣ ኣብ ቁርኣን ብስም ዝተጠቐሱ 25 ነቢያት ኣለዉ።
5. እምነት ብመወዳእታ መዓልቲ፡ ዓለማዊ ህይወታዊ ሓደ መዓልቲ ከምዘብቅዕ፤
ብድሕሪ ሞት ህይወት ከምዘሎን ኩሉ ፍጡር በቲ ኣብ ዓለም ከሎ ዝፈጸሞ ተግባራት ፍትሓዊ ዓስቡ ከምዝኽፈልን ምእማን።
6. እምነትብቅድመ-ድንጋገ፡ ኩሉ ኣብ ህይወት ከለና እንረኽቦ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ካብ ኣላህ ምዃኑን ኣላህ ኣቐዲሙ ከምዝወሰኖ ወይ ጽሑፍ ምዃኑ ምእማን የድሊ።
ወሏሁ ኣዕለም!!!
ወሰላሙዓለይኩም ወራሕመቱላሂ ወበረካትሁ!!!
ervu792j8n7tn6evwcvjezbw28dwc86
ቶጎ
0
2151
26159
24959
2026-10-28T23:39:55Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:3|0|0 */
26159
wikitext
text/x-wiki
ቶጎ
[[File:Flag of Togo (3-2).svg|thumbnail|alt=|center]]
{{stub}}
[[Category:ሀገራት ኣፍሪቃ]]
== መንግስቲ ==
[[File:Sylvanus_Olympio.jpg|thumb|[[ሲልቫነስ ኦሎምፒዮ]] ፡ ካብ 1960 ክሳብ 1963 ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ቶጎ]]
[[File:Faure_Gnassingbé_2014.png|thumb|ካብ 2005 ጀሚሩ ፕረዚደንት [[ፋውረ ግናሲንግቤ]]]]
[[File:Gnassingbé_Eyadema,_1972.jpg|thumb|ግናሲንግቤ ኢያደማ ካብ 1967 ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ 2005 ገዚኡ።]]
ፕረዚደንት ብሓሙሽተ ዓመት ብኣድማሳውን ቀጥታውን መሰል ድምጺ ዝምረጽ ኮይኑ፡ ኣዛዚ [[ዕጡቕ ሓይሊ]] ኮይኑ፡ ሕጊ ናይ ምጅማርን [[ባይቶ]] ናይ ምፍራስን መሰል ኣለዎ ። ፈጻሚ ስልጣን ብፕረዚደንትን መንግስትን እዩ ዝጥቀመሉ። ሓላፊ መንግስቲ ብፕረዚደንት ዝምዘዝ ቀዳማይ ሚኒስተር እዩ።
ንቶጎ ብሓደ ሰልፊ ዝመርሓ ዝነበረ ፕረዚደንት ግናሲንግቤ ኤያደማ ፡ ብ5 ለካቲት 2005 ብወቕዒ ልቢ ዓሪፉ። ብመሰረት ቅዋም ቶጎ፡ ፕረዚደንት ባይቶ ፋምባረ ኦዋታራ ናቻባ ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳብ ዝጽዋዕ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኸውን ነይርዎ። ናችባ ካብ ሃገር ወጻኢ ኮይኑ፡ ካብ ፓሪስ ብነፋሪት ኤር ፍራንስ ይምለስ ነይሩ። እቲ ብ Forces Armées Togolaises (FAT) ወይ ዕጡቕ ሓይሊ ቶጎ ዝፍለጥ ሰራዊት ቶጎ ፡ ዶባት እታ ሃገር ብምዕጻው፡ ነታ ነፋሪት ኣብ ቤኒን ክትዓልብ ተገዲዳ። ባይቶ ብምህንድስናዊ ናይ ስልጣን ባዶነት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ምርጫ ክካየድ ዝጠልብ ዝነበረ ቅዋማዊ ዓንቀጽ ንምእላይ ኣድሚጹ፡ ወዲ ኤያደማ ፋውረ ግናሲንግቤ ፡ ፕረዚደንትነት ወሪሱ ንዝተረፈ ዕድመ ኣቡኡ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ ኣዊጁ። <ref name="BBC News" /> ፋውረ ብ7 ለካቲት 2005 ቃለ መሓላ ፈጺሙ፡ ብዛዕባ እቲ ምትኽኻእ ኣህጉራዊ ነቐፌታታት ኣጋጢምዎ። ሕብረት [[ኣፍሪቃ]] ነቲ ምውሳድ ስልጣን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክብል ገሊጽዎ። ኣህጉራዊ ጸቕጢ ’ ውን ካብ [[ሕቡራት ሃገራት]] መጺኡ። ኣብ ውሽጢ ቶጎ፡ ተቓውሞ ናይቲ ምውሳድ ስልጣን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ፡ ካብ 400 ክሳብ 500 ሰባት ሞይቶም። ኣብ ከተማታትን ከተማታትን ብቐንዱ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ናዕብታት ተኻይዱ። ኣብ ከተማ [[ኣነሆ]] ሓፈሻዊ ሲቪላዊ ናዕቢ ስዒቡ ብወተሃደራት መንግስቲ ህልቂት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ይሕብሩ። ከም መልሲ ናይዚ ድማ ፋውረ ግናሲንግበ [[ምርጫ]] ክካየድ ተሰማሚዑ፡ ብ25 ለካቲት ድማ ግናሲንግቤ ካብ ፕረዚደንት ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ነቲ ቤት ጽሕፈት ክወዳደር ዝቐረበ ሕጹይ ተቐቢሉ።
ብ24 ሚያዝያ 2005 ግናሲንግቤ ፕረዚደንት ቶጎ ኮይኑ ተመሪጹ፡ ብመሰረት ወግዓዊ ውጽኢት ድማ ልዕሊ 60% ድምጺ ረኺቡ። ኣብዚ ውድድር ቀንዲ መወዳድርቱ ዝነበረ ኣማኑኤል ቦብ-ኣኪታኒ ካብ ዩኒየን ደስ ፎርስስ ዱ ቸንጅመንት (UFC) እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ሕጽረት ሕብረት ኤውሮጳ ወይ ካልእ ናጻ ክትትል ኣብ ምርጫ ዝተፈጸመ ምትላል ተጠርጢሩ። ባይቶ ምክትል ፕረዚደንት ቦንፎህ ዓባስ ፡ ክሳብ ምረቓ ግዝያዊ ፕረዚደንት ገይሩ መዚዙ። ብ3 ግንቦት 2005 ፋውረ ግናሲንግቤ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ነቲ ድምጺ ተቓወምቲ ንምድጋፍ ንቶጎ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ኣቢልዎ። ፕረዚደንት ናይጀርያን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን Olusẹgun Ọbasanjọ ፡ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን ተቓወምትን ድርድር ብምግባር ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ፈቲኑ፡ ንፕረዚደንት [[ዛምቢያ|ዛምብያ]] ነበር ኬነት ካውንዳ ፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቶጎ ክኸውን ብኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ምሻሙ ነጺግዎ። ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፕረዚደንት ግናሲንግቤ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤደም ኮድጆ ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሮም ሸይሞሞ ነይሮም።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2007 ድሕሪ ምድንጓይ ምርጫ ብተመጣጣኒ ውክልና ተኻይዱ። እዚ ድማ እቶም ውሑድ ህዝቢ ዘለዎም ሰሜን ክንዲ እቶም ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዎም ደቡብ ኣባላት ባይቶ ክቕመጡ ኣኽኢልዎም። እቲ ብፕረዚደንት ዝድገፍ ሰልፊ ራሊ ኦፍ ዘ ቶጎ ፒፕል (RPT) ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ፡ UFC ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ እተን ካልኦት ውድባት ድማ ሳዕቤን ዘይብሉ ውክልና ኣለወን ክብላ እየን። ድምጺ ምትላል ክስታት ኣብ ልዕሊ ብሲቪላውን ወተሃደራውን ጸጥታ ኣካላት ዝድገፍ RPT ቀሪቡ። ምስ ህላወ ተልእኾ ተዓዛቢ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝተሰረዘ ድምጽን ዘይሕጋዊ ድምጽን ተኻይዱ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ዕርድታት RPT እዩ። ብዕለት 3 ታሕሳስ 2007 ኮምላን ማሊ ካብ RPT ንኣግቦይቦር ተኪኡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመዚዙ። ማሊ ብ5 መስከረም 2008 ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቶጎ ስልጣኑ ተኣልዩ።
[[ፋውረ ግናሲንግቤ]] ኣብ መጋቢት 2010 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግማይ ምርጫ ተዓዊቱ፡ ኣንጻር እቲ ብFRAC (ሪፓብሊካዊ ግንባር ንለውጢ) ዝተባህለ ተቓዋሚ ጥምረት ዝድገፍ ዝነበረ ጂን-ፒየር ፋብረ ካብ UFC 61% ድምጺ ረኺቡ። ተዓዘብቲ ምርጫ "ኣገባባዊ ጌጋታትን" ቴክኒካዊ ጸገማትን ኣስተብሂሎም፡ ተቓወምቲ ድማ ነቲ ውጽኢት ኣፍልጦ ኣይሃቡዎን፡ ዘይስሩዕነት ነቲ ውጽኢት ጸልይዎ ኢሎም። ድሕሪ እቲ ምርጫ በብእዋኑ ኣንጻር ፋውረ ግናሲንግቤ ተቓውሞታት ተኻይዱ ። ኣብ ግንቦት 2010 መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ጊልክሪስት ኦሎምፒዮ ምስቲ መንግስቲ ናይ ስልጣን ምክፍፋል ስምምዕ ከምዝኣቱ ኣፍሊጡ ነይሩ፡ እዚ ናይ ጥምረት ምድላው ኮይኑ ንዩኤፍሲ ሸሞንተ ሚኒስተራት ዝህብ እዩ። ኣብ ሰነ 2012፡ ጽገናታት ምርጫ፡ ሰልፈኛታት ንመዓልታት ኣብ ሎሜ ናብ ጽርግያ ክወጹ ደሪኽዎም፤ ሰልፈኛታት ናብቲ ናይ 1992 ቅዋም ክምለሱ ሓቲቶም፣ እዚ ቅዋም እዚ ዳግማይ ገደብ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ዘቐምጥ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ቀዳማይ ሚኒስተር ጊልበርት ሆንግቦ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ተገሊጹ። ድሕሪ መዓልታት ድማ ሚኒስተር ንግዲ ክዌሲ ኣሁመይ-ዙኑ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሕ ተሰይሙ። ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ፡ ገዛ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዣን ፒየር ፋብረ ብሓይልታት ጸጥታ ተዘሚቱ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ድማ መሊሶም ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብግልጺ ተኣኪቦም።
ኣብ ሚያዝያ 2015 ፕረዚደንት ፋውረ ግናሲንግቤ ንሳልሳይ ግዜ ዳግማይ ተመሪጾም። ኣብ ለካቲት 2020 ፋውረ ግናሲንግቤ ዳግማይ ንራብዓይ ፕረዚደንታዊ ዕድመኡ ተመሪጹ። ተቓወምቲ ብናይ ምትላልን ዘይስሩዕነትን ክስታት ነይርዎም። ስድራቤት ግናሲንግቤ ካብ 1967 ጀሚሮም ንቶጎ ይገዝእዋ ኣለዉ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐ ስርወ መንግስቲ እዩ።
=== ምምሕዳራዊ ክፍልታት ===
[[File:Togo-karte-politisch.png|thumb|ሓሙሽተ ዞባታት እታ ሃገርን ርእሰ ከተማታተንን ዘርኢ ካርታ ቶጎ]]
ቶጎ ኣብ 5 ዞባታት ተኸፋፊላ ብተራኣ ኣብ 30 [[ፕረፈክቸራት]] ይምቀላ ። ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ እተን ዞባታት [[ሳቫነስ]] ፣ ካራ ፣ [[ሴንትራል]] ፣ [[ፕላቶን]] ማሪታይምን እየን ።
=== ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ===
ፖሊሲ ወጻኢ ቶጎ ዘይተሰለፈ ክኸውን ከሎ፡ ምስ ምዕራብ ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ታሪኻውን ባህላውን ርክብ ኣለዋ። ቶጎ ንህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ፡ ሰሜን ኮርያን [[ኩባ|ኩባን]] ኣፍልጦ ትህብ። ኣብ 1987 ምስ እስራኤል ዳግማይ ዝምድና መስሪታ። ቶጎ ንጡፍ ፖሊሲ ወጻኢ ትኽተልን ኣብ ኣህጉራውያን ትካላት ትሳተፍን እያ። ብፍላይ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ምዕራብ ኣፍሪቃን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ንጡፍ ’ ዩ።
ኣብ 2017 ቶጎ ንውዕል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምኽልካል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ፈሪማ ። ቶጎ ኣብ 2022 ኣብ ኪጋሊ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ መንግስታት ኮመንዌልዝ ምስ [[ጋቦን]] ኮይና ናብ ኮመንዌልዝ ኦፍ ኔሽንስ ተጸንቢራ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮበርት ዱሲ ናብ ኮመንዌልዝ ኣብ ምጽንባሩ፡ እታ ''ሃገር'' "ዲፕሎማስያዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን መርበባ" ከተስፍሕን "ምስ ኣንግሎፎን ዓለም ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክትፈጥርን" ከምዝፈተነት ገሊጹ።
=== ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ===
ስብሒ ( ፣ "ዕጡቕ ሓይልታት ቶጎ")፣ ብሰራዊት፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ኣየርን [[ጀንደርን]] ዝቖመ እዩ። ጠቕላላ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ በጀት ዓመት 2005 ብድምር 1.6% ካብ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር . <ref name="cia"></ref> ኣብ [[ሎሜ]] ፣ ተሜድጃ፣ ካራ ፣ ኒያምቱጉን ዳፓኦንግን ወተሃደራዊ መደበራት ኣለዉ። ናይ ሕጂ ሓላፊ ጀነራል ስታፍ ብርጋዴር ጀነራል ቲቲክፒና ኣትቻ መሓመድ ኮይኑ፡ ብ19 ግንቦት 2009 ስልጣን ሒዙ። እቲ ሓይሊ ኣየር ብኣልፋ ጀት ዝተዓጠቐ ’ ዩ።
=== ሰብኣዊ መሰላት ===
ቶጎ ካብ 1972 ክሳብ 1998ን ካብ 2002 ክሳብ 2006ን ብፍሪደም [[ሃውስ]] "ናጻ ኣይኮነትን" ዝብል ስያመ ዝረኸበት ኮይና፡ ካብ 1999 ክሳብ 2001ን ካብ 2007ን ድማ "ብኸፊል ነጻ" ተባሂላ ተመዲባ ኣላ። ብመሰረት ኣብ 2010 ኣብ ኩነታት ዝተመርኮሰ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ ጸገማት ሰብኣዊ መሰላት "ሓይሊ ጸጥታ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ምጥቃም፡ እንተላይ [[ስቅያት]] ፡ ሞትን መጉዳእትን ዘስዓበ፤ ወግዓዊ መቕጻዕቲ ዘይብሉ፤ ተሪርን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ኩነታት ቤት ማእሰርቲ፤ ኢደወነናዊ ማእሰርትን ማእሰርትን" ይርከብዎም ቅድሚ ፍርዲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ መሰላት ብሕታዊነት ዜጋታት፤ ጾታዊ ምዝመዛ ህጻናት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ [[ስንኩላን]] ዝፍጸም ሕብረተሰብኣዊ ኣድልዎ፤ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ጾታዊ ርክብ ኣብ ቶጎ ዘይሕጋዊ ኮይኑ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ይቕጻዕ።
== ታሪኽ ==
ስነ - ጥንታዊ ርኽበታት ከም ዝሕብሮ፡ ቀቢላታት [[ሸኽላታት]] ከፍርዩን [[ሓጺን]] ከሰርሑን ከም ዝኸኣሉ ይሕብር። ቶጎ ዝብል ስም ካብ ቋንቋ ኤዌ "ድሕሪ ሩባ" ተባሂሉ ይትርጎም። ካብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ክሳዕ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ቀቢላታት ናብቲ ዞባ ይኣትዉ ነበሩ: [[ኤዌ]] ካብ ምዕራብ: ሚናን ጉንን ድማ ካብ ምብራቕ። መብዛሕትኦም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰፊሮም እዮም። ንግዲ ባሮት ኣትላንቲክ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን እዩ ጀሚሩ፣ ንዝቐጸሉ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ድማ እቲ ዞባ ገማግም ባሕሪ ንባሮት ዝደልዩ ኤውሮጳውያን ማእከል ንግዲ ኮይኑ፣ ንቶጎን ከባቢኣን " ገማግም ባሕሪ ባሮት " ዝብል ስም ረኺቦም።
[[File:Togoland.jpg|left|thumb|[[ቶጎላንድ]] ( R. Hellgrewe, 1908)]]
ብ1884 ኣብ ቶጎቪል ምስ ንጉስ ምላፓ ሳልሳይ ወረቐት ተፈረመ፣ በዚ ድማ [[ጀርመን]] ኣብ ልዕሊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መሬት ምክልኻል ከም ዘለዋ ሓቲታ በብቑሩብ ንውሽጢ ሃገር ቁጽጽራ ኣስፍሐት። ዶባታ ብሓይልታት ጀርመን ንውሽጣዊ መሬት ድሕሪ ምሓዙን ምስ [[ፈረንሳ]]ን እንግሊዝን ስምምዓት ድሕሪ ምፍራሙን እዩ ተነጺሩ። ብ1905 እዚኣ መግዛእቲ ጀርመን ቶጎላንድ ኰነት . ህዝቢ እቲ ከባቢ ክሰርሕ፣ ጡጥ፣ ቡንን ካካዎን ከልምዕን ግብሪ ክኸፍልን ተገዲዱ። ንሰደድ ፍርያት ሕርሻ ዝኸውን መንገዲ ባቡርን ወደብ ሎሜን ተሃኒጹ። ጀርመናውያን ሜላታት ምልማዕ ካካዎ ፣ ቡንን ጡጥን ብምትእትታው ነቲ ትሕተ ቅርጺ ኣማዕቢሎምዎ።
ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ፡ ቶጎላንድ ብብሪጣንያን ፈረንሳን ወሪራ፡ ኣንግሎ-ፈረንሳዊ ኮንዶሚንየም ኣዊጃ። ወፍሪ ቶጎላንድ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረ ወፍሪ ፈረንሳን እንግሊዝን ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ጀርመን ቶጎላንድ ዘካየዱ ዕዉት ወራር ዘጠቓለለ እዩ። ድሕሪ ወራር ኪዳን ኣብ ነሓሰ 1914 ሓይልታት ጀርመን ተሳዒሮም፡ እቲ መግዛእቲ ብ26 ነሓሰ 1914 ኢዱ ክህብ ተገዲዱ። ብ7 ታሕሳስ 1916 እቲ ኮንዶሚንየም ፈሪሱ ድሕሪኡ ቶጎላንድ ኣብ ዞባታት እንግሊዝን ፈረንሳን ተኸፋፊላ መግዛእቲ ብሪጣንያዊት ቶጎላንድን ፈረንሳዊት ቶጎላንድን ፈጢራ። ብ20 ሓምለ 1922 ዓባይ ብሪጣንያ ንምዕራባዊ ክፋል ቶጎ ከተመሓድር፡ ፈረንሳ ድማ ንምብራቓዊ ክፋል ከተመሓድር ናይ ሊግ ኦፍ ኔሽንስ ስልጣን ተቐበለት። ኣብ 1945 እታ ሃገር ሰለስተ ወከልቲ ናብ ባይቶ ፈረንሳ ናይ ምልኣኽ መሰል ረኺባ።
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እዞም ትእዛዛት እዚኣቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትራስት ቴሪቶሪታት ኮይኖም ። ነበርቲ ብሪጣንያዊት ቶጎላንድ ኣብ 1957 ናብ ጎልድ ኮስት ከም ኣካል ናይታ ናጻ ሃገር [[ጋና]] ክጽንበሩ ኣድሚጾም ። ፈረንሳዊት ቶጎላንድ ብ1959 ኣብ ውሽጢ ሕብረት ፈረንሳ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ሪፓብሊክ ክትከውን ከላ፡ ፈረንሳ ድማ ንመከላኸሊ፡ ዝምድናታት ወጻኢን ፋይናንስን ናይ ምቁጽጻር መሰል ዓቂባ።
=== ናጽነት ===
ሪፓብሊክ ቶጎ ብዕለት 27 ሚያዝያ 1960 ተኣዊጃ። ኣብ 1961 ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፡ ሲልቫነስ ኦሎምፒዮ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኮይኑ፡ ኣብቲ ብተቓወምቲ ዝተኣገደ ምርጫ 100% ድምጺ ረኺቡ። ብ9 ሚያዝያ 1961 ቅዋም ሪፓብሊክ ቶጎ ተቐበለ፣ ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ላዕለዋይ ሓጋጊ ኣካል ሃገራዊ ባይቶ ቶጎ እዩ ነይሩ። ኣብ ታሕሳስ 1961 መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ጸረ መንግስቲ ውዲት ኣዳልዮም ተባሂሎም ስለዝተኸሰሱ ተኣሲሮም። ኣብ ምፍራስ ተቓወምቲ ውድባት ዝምልከት ኣዋጅ ወጺኡ። ኦሎምፒዮ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ምዕራብ ጀርመንን ምትሕብባር ብምፍጣር ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ጽግዕተኛነት ንምንካይ ፈተነ . ድሕሪ ኲናት ኣልጀርያ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩ ወተሃደራት ፈረንሳ ነጺጉ ኣብ ሰራዊት ቶጎ ቦታ ክረኽቡ ዝፈተኑ ወተሃደራት ፈረንሳ ነጺጉ። እዚ ረቛሒታት ’ ዚ ኣብ መወዳእታ ብ13 ጥሪ 1963 ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣስዒቡ ኣብቲ እዋን ’ ዚ ብመሪሕነት ሳጅን ግናሲንግቤ ኤያደማ ብጉጅለ ወተሃደራት ተቐቲሉ ። ኣብ ቶጎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተኣዊጁ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ንኒኮላስ ግሩኒትዝኪ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ኣረኪቡ። ኣብ ግንቦት 1963 ግሩኒትዝኪ ፕረዚደንት እታ ሪፓብሊክ ኮይኑ ተመሪጹ። እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ ምስ ፈረንሳ ዝምድና ናይ ምምዕባል ፖሊሲ ተኸቲሉ። ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዝነበረ ምፍልላይ ንምድኻም፡ ሓድሽ ቅዋም ምእዋጅን ብዙሕ ውድባዊ ስርዓት ምትእትታውን እዩ ነይሩ።
ብ13 ጥሪ 1967 ኤያደማ ግናሲንግቤ ንጉሩኒትዝኪ ብደም ዘይብሉ ዕልዋ መንግስቲ ኣውሪዳ ፕረዚደንትነት ሒዙ። ንሱ ሰልፊ ሰልፊ ህዝቢ ቶጎ ፈጢሩ ፣ ንጥፈታት ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኣጊዱ ኣብ ሕዳር 1969 1 ሰልፊ ስርዓት ኣተኣታትዩ። ኣብ 1979ን 1986ን ዳግማይ ተመሪጹ። ኣብ 1983 መደብ ፕራይቬታይዜሽን ተጀሚሩ ኣብ 1991 ድማ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ተፈቒዱ። ኣብ 1993 ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሽርክነት ኣቋሪጽዎ፡ ኣብ 1993፡ 1998ን 2003ን ዳግማይ ምርጫ ኤያደማ፡ ስልጣን ምምንዛዕ እዩ ኢሉ ገሊጽዎ። ኣብ ሚያዝያ 2004 ኣብ ብራስለስ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ቶጎን ብዛዕባ ዳግማይ ምትሕግጋዝ ዝርርብ ተኻይዱ።
[[File:Protests_in_Lomé,_Togo,_18_octobre_2017_04.jpg|left|thumb|ኣብ 2017–18 ቶጎውያን ኣንጻር እቲ ን50 ዓመታት ዝቐጸለ ምሕደራ ስድራቤት ግናሲንግቤ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም]]
ኤያደማ ግናሲንግቤ ብሰንበት 5 ለካቲት 2005 ዓ.ም.ፈ. ወተሃደራት ንወዱ ፋውረ ግናሲንግቤ ከም ፕረዚደንት ምቕማጡ ብዘይካ ካብ ፈረንሳ ኣህጉራዊ ውግዘት ኣስዒቡ። ገለ "ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ" መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም በዓል ዓብዱላየ ዋደ ካብ [[ሴኔጋል|ሰኔጋልን]] ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ካብ [[ናይጂሪያ|ናይጀርያን]] ነቲ ስጉምቲ ደጊፎሞ፡ በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣፍሪቃ ምፍልላይ ፈጢሮም ። ግናሲንግቤ ስልጣን ገዲፉ ምርጫ ኣካይዱ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ተዓዊቱ። ተቓወምቲ ውፅኢት መረፃ ናይ ምትላል ምዃኑ ኣዊጆም። ኣብ 2005 ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ መንግስቲ [[ዲሞክራሲ|ንዲሞክራሲ]] ዘለዎ ተወፋይነት ዝምልከት ሕቶታት ኣስዒቡ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 1993 ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ቶጎ ብዝቐረበ ሕቶታት ሓገዝ ዝቖረጸ ሕብረት ኤውሮጳ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፈተነ እዩ። ኣብ ዙርያ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብዝተፈጥረ ዓመጽ ክሳብ 400 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ኣስታት 40 ሽሕ ቶጎላውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም። ግናሲንግቤ ኣብ 2010ን 2015ን ዳግማይ ተመሪጹ።
ቶጎ ኣብ 2008 ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ሓጋይ ኦሎምፒክ ኣብ ምዝዋር ታንኳ መዳልያ ኦሎምፒክ ዝዓተረት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ፡ ቤንጃሚን ቡክፐቲ ኣብ ውድድር ስላሎም ኬ-1 ነሓስ ብምዕታር ።
ኣብ 2017 ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ተላዒሉ። ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብሰንኪ እዚ ብሓይልታት ጸጥታ ዝተወስደ ጭፍጨፋ ኮኒኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ [[ጋምቢያ|ጋምብያ]] ኦሳይኖ ዳርቦይ ድማ ግናሲንግቤ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ መአረምታ ከውጽእ ተገዲዱ።
ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፋውረ ግናሲንግቤ ፕረዚደንት ቶጎ ኮይኑ ንራብዓይ ግዜኡ ፕረዚደንታዊ ግዜኡ ተዓዊቱ። ብመሰረት ወግዓዊ ውጽኢት፡ ኣስታት 72% ብጽሒት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ቀረባ ተቐዳዳማይ 18% ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣግቤዮመ ኮድጆ ክስዕሮ ኣኽኢልዎ። ብዕለት 4 ግንቦት 2020 ኣዛዚ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ ቶጎ ዝኾነ ቢታላ ማድጁልባ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ሞይቱ ተረኺቡ። ማድጆልባ ዝሞተላ መዓልቲ፡ እቲ ዳግማይ ዝተመርጸ ፋውረ ግናሲንግቤ ንራብዓይ ግዜኡ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ መርመራ ተኸፊቱ፡ ውጽኢቱ ድማ ሜጀር ጀነራል ካዳንጋ ኣባሎ ፌሊክስ ኣብ ቅትለት ማድጁልባ ኢድ ኣለዎን 'ኣንጻር ውሽጣዊ ድሕነት መንግስቲ ውዲት' ብምፍጻምን ተኸሲሱን ተፈሪዱን።
=== ናብ ኮመንዌልዝ ምጽንባር ===
ቶጎ ኣብ ሰነ 2022 ናብ ኮመንዌልዝ ተጸንቢራ። ቅድሚ ኣብ ኣኼባ ሓለፍቲ መንግስታት ኮመንዌልዝ ምቕባሉ ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮበርት ዱሲ ኣባልነት ኮመንዌልዝ ሓድሽ ዕዳጋታት ሰደድ፣ ንልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ምወላን ዜጋታት ቶጎ እንግሊዝኛ ንኽመሃሩን ሓደስቲ ትምህርታውን ባህላውን ጸጋታት ንኽረኽቡን ዕድላት ክህብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ።
m4zw0phh459smbssi4mhcfchiueqo3j
ኩሽ (መጽሓፍ ቅዱስ)
0
5816
26161
23102
2026-10-28T23:41:59Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:2|0|1 */
26161
wikitext
text/x-wiki
ኩሽ ወይ ኩሥ (ብዕብራይስጥ: כּוּשׁ ; ብግዕዝ: ኩሽ/ኩሥ) ቦኽሪ ወዲ ካምን ወዲ ወዱ ንኖህን እዩ ነይሩ ። ንሱ ድማ አሕዋት ኸነዓን፥ ሚስራይምን ፥ፉጥን ነበረ። ኩሽ ኣቦ ኒምሮድ ዝበሃል ንጉስ እዩ ነይሩ ፣ ንሱ ድማ "ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና" ተባሒሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ ።
ኩሽ ብልምዲ ኣቦሓጎ እታ ኣብ ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከም ዝነበረት ዝእመነላ ጥንታዊት ግዝኣት "ምድሪ ኩሽ" ጌርካ እያ እትርአ ። ኩሽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ምስ መንግስቲ ኩሽ ወይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ እያ ። ቛንቋ ኩሽ ፡ ኩሽ ዝብል ስም እዩ ዘለዎ ።
== መለለዪ ==
{{hiero|kꜣš<ref name = Gauthier193>{{cite book |last1=Gauthier |first1=Henri |title=Dictionnaire des Noms Géographiques Contenus dans les Textes Hiéroglyphiques Vol. 5 |date=1928 |pages=193–194 |url=https://archive.org/details/Gauthier1928/page/n99}}</ref>|<hiero>V31:G1-N37:N25</hiero>|era=1ip|align=right}}
ኩሽ ብቛንቋ ዕብራዊ/ዕብራይስጥ እተጸውዐ ስም ኰይኑ ፡ ካብቲ ካሽ ዝብል ናይ ግብጺ ስም ታሕተዋይ ኑብያ ፡ ደሓር ከኣ ካብቲ ኣብ ናፓታ ዝነበረ መንግስቲ ኑብያ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል እዩ ።
እቲ ኩሽ ዝብል ፎርም ፡ ኣብ መዝገብ ግብጻውያን ካብ ግዝኣት መንቱሆተፕ ካልኣይ (21 ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ) ኣትሒዙ ፡ ኣብ ዞባ ኑብያ ወፈራታቱ ብዝርዝር ተጻሒፉ ይርከብ ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራይስጢ እተጠርነፈሉ እዋንን ኣብ ብምሉኡ ክላሲካዊ ኣጸዋውዓ መንግስቲ ኑብያ ኣብቲ ዘመናዊ ሕዝቢ ሱዳን ዝነበረ መሮቭ ዘተኰረ እዩ ነይሩ ።
== ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መወከሲታት ==
[[ፋይል:Page_from_Yiddish-Hebrew-Latin-German_dictionary_by_Elijah_Levita.jpg|thumb|360x360px|ካብቲ ኣብ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ኤሊታ ለቪታ ዝጸሓፎ ፡ ዪዲሽ-ዕብራይስጢ-ላቲን-ጀርመንኛ ዘዳለዎ መዝገበ-ቃላት ፡ ዝርዝር ኣህዛብ ዝሓዘ ገጽ ኣሎ ፣ እታ "ክራቫት יהוה" ኩሽ ወይ ድማኒ ኩሺ እትብል ቓል ፡ ናብ ቛንቋ ላቲን "ኢትዮጲስ(Aethiops)" ተባሂላ ተተርጒማ ፡ ናብ ጀርመንኛ "ሞር (Mor)" ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ ።]]
ደቂ ወይ ውሉዳት ኩሽ፦ ሴባ፥ ሓዊላ፥ ሳብታ፥ ራዕማ፥ ሳብተካህ ይበሃሉ።
ሙሴ ዉን ካብ ኩሻዊት ጓል-ኣንስትየቲ እዩ ተመርዕዩ።
== ባህላዊ መለለዪ ==
ዮሴፍ ብዛዕባ ሕዝበ ኩሽ ወዲ ካምን ወዲ ወዱ ንኖህን ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ - "ካብ ቶም ኣርባዕተ ደቂ ካምሲ ጊዜ ንስም ኩሽ ከቶ ኣይጐድኦን፣ ከመይሲ እቶም ንሱ ዝነገሰሎም ኢትዮጵያውያን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ንበይኖምን ብዅሎም ሰብ እስያን ኩሻውያን ተባሂሎም ይጽውዑ ኣለዉ። s" (''[[:en:Antiquities_of_the_Jews|Antiquities of the Jews]]'' 1.6).
መጽሓፍ ዘሁልቍ 12 1 ንሰበይቲ ሙሴ "ኩሻዊት ሰበይቲ" ኢላ ኽትጽውዓ ኸላ ጺጶራ ሰበይቲ ሙሴ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ሚድያን ከም ዝመጸት ጌርካ እዩ ዚግለጽ። ህዝቅኤል እታ ኤክሳጎጅ 60-65 ጺጶራ ኣብ ሚድያን ጓና ኸም ዝዀነት ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ኣብ ሰሜን [[ኣፍሪቃ]] ዝነበሩ ተቐማጦ ኣባሓጎታታ ኸምዚ ብምባል ገለጸሎም -
"እዛ ሃገር እዚኣ [[ሊብያ]] ተባሂላ እያ እትጽዋዕ። ካብ እተፈላለዩ ሕዝብታት ኢትዮጵያውያን ከምኡውን ካብ ጸልማት ዝመጹ ዓሌታትን ነገዳትን ዚነብሩላ ኸተማ እያ። ሓደ ሰብኣይ ገዛኢ እታ ምድሪ እዩ ፣ ንጉስን ጀነራልን እዩ ። ነቲ መንግስቲ ይገዝኦ ነቲ ሕዝቢ ይፈርዶ ካህን ድማ እዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣቦይን ናታቶምን እዩ።
ኣብ 5ይ ዘመን ድ.ክ. ሶርያውያን ጸሓፍቲ ነቶም ሒምያራውያን ዝበሃሉ ደቡብ ዓረብ ኩሻውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም ዝዀኑ ገለጹሎም ።
እቲ ፋርሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣል-ታባሪ (ከ. 915) ፡ ሰበይቲ ኩሽ ቃርናቢል ፡ ጓል ባታዊል ፡ ወዲ ቲራስ ከም እተባህለት ፡ "ኣብሲናውያን ፡ ሲንዲስን ህንዳውያንን" ከኣ ከም ዝወለደትሉ ዝገልጽ ልምዲ ኣዘንተወ ።
ሎሚ ተዛረብቲ ቋንቋ ኩሻውያን ንኣገው: ኦሮሞ: ሶማል: ዓፋር: ከምኡውን ንኻልኦት ሓያሎ ቀቢላታት፣ ብሔራትን፣ ነገዳትን ዝሓቘፉ እዮም ፣ ኣብ መኣድታት ማሱዲ ወርቂ ካብ 947 ድ.ል.ክ. ከም ዘርኢ ኩሽ እዮም ዝቑጸሩ ነይሮም ። እቶም ቋንቋ ኩሽ ዝዛረቡ ህዝቢ ቤጃ ፡ ካብ ኩሽ ዝመበቈሉ መስመር ወለዶ ኣለዎም ።
ጀምስ ብሩስ ዝስሙ ኣብ ከባቢ 1770 ናብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዝኸደ ዳህሳሲ ፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት ፡ ኩሽ ወዲ ካም ምስ ስድራ ቤቱ ኰይኑ ናብ ጐልጐል ኣጣራ ኽሳእ ዝበጽሕ ፡ ካብኡ ንደሓር ሰብ ዘይነብሮ ፡ ካብኡ ድማ ንምድሪ ኢትዮጵያ ክርእዩ ዝኽእሉ ኣቢሲናውያን ፡ "ልምዲ" ከም ዝነበረ ጸሓፈ ። ኣብኡ ድማ ንኣክሱም ደዪቦም ሰርሑ ፣ እተወሰነ እዋን ጸኒሖም ከኣ ናብ ጐልጐል ተመልሱ ፣ ንሜሮቭ ድማ ሰርሑ ። ንሱ ብተወሳኺ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ምሁራት ፡ ነዚ ጸብጻብ እዚ ብምኽንያት እቲ ተመስሪቱሎም ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ ፡ ብትእምት ከም ዝነጸግዎ ፡ ኩሽ ብመንገዲ ዓረብን በቲ ኣብ መንጎ የመን ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ ዝርከብ ሓርፋፍ ኵነታት ባብ-ኤል-መንደብን ኣቢላ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተወት ፡ ጅቡቲን ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝርከባ ይገልጽ ። ብተወሳኺ: እቲ ኣብ ኣክሱም ዝነበረ ዓቢ ጭሕሚ: ኩሽ ነቲ እተመደበሉ ከባቢ ንምምልካት ከም ዘዳለዎ እዩ ዝንገር: እቲ ኢቲኦፕ ዝበሃል ወዱ ድማ ኣብኡ ከም እተቐብረ እዩ ዝንገር ። ብመሰረት መጽሓፍ ኣክሱም: ብሩስ ኣብ ኣቢሲንያ ምስ ክብራ ናጋስት ብማዕረ ከም እተቐብረ እዩ ዝገልጽ ።
ከም ዮሃን ማይክልስን ሮዘንሙለርን ዝኣመሰሉ ምሁራት ፡ እቲ ኩሽ ዝብል ስም ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ (የመን) ን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ትራክትታት እታ ሃገር ከም ዝውዕል ሓቢሮም እዮም ።
== መወከሲ ==
9dtwfph5f9iv60a8ekxx9dcgsivgh00
መቐለ
0
5897
26162
24780
2026-10-28T23:50:34Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:3|0|0 */
26162
wikitext
text/x-wiki
[[ፋይል:Mekele.webp|thumb|ጎደና ደጀን ፡ መቐለ ።]]
[[ፋይል:Mekelle_Cross.jpg|thumb|ንበዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ምብራቓዊ ኣንፈት እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጎቦ ዝርከብ መስቀል።]]
መቐለ ናይ [[ክልል ትግራይ]] ዋና ከተማ እያ። መቐለ ኣቐዲማ ኣብ ትግራይ ዋና ከተማ ኣውራጃ እንደርታ እያ ነይራ። ካብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ [[ኣዲስ ኣበባ]] ብሸነኽ ሰሜን 780 ኪሎሜተር (480 ማይል) ርሒቓ ትርከብ ኮይና 2,254 ሜትሮ (7,395 ፉት) ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ብራኸ ኣለዋ። ብኣመሓዳሪ ፡ ከተማ መቐለ ከም ፍሉይ ዞባ እያ ትቑጸር ፡ እዚ ድማ ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ከተማታት ትኽፈል። ቊጠባዊ፣ ባህላውን ፖለቲካውን ማእከል ሰሜናዊ ኢትዮጵያ እያ።
ከተማ መቐለ ካብ 1991 ጀሚሩ በዝሒ ህዝባ እናወሰኸ ዝመፀ ኾይኑ ብ 1984 61,000 ፡ ብ 1994 97,000 ተቐማጦ (96.5% ተዛረብቲ [[ቋንቋ ትግርኛ|ትግርኛ]] ምዃኖም) ፡ ብ 2006 ድማ 170,000 (እዚ ማለት 4% ህዝቢ ትግራይ)። ከተማ መቐለ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ አዲስ አበባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ እያ: ብዝሒ ህዝቢ ድማ ከባቢ 545,000 እዩ ። ካብታ ኣብቲ ክልል ብዕቤታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ከተማ ዓዲግራት ብ2.6 ዕጽፊ ይዓቢ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ፣ ንግድን ኣናእሽቱ ትካላትን እዩ ዝምርኰስ። ብ 2007 ኣብ ከተማ መቐለ ሓድሽ ናይ ምህንድስናን ስሚንቶን ፋብሪካ ዓለባን ስለ ዝነበረ ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕዳጋ ይፈሪ ነይሩ። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብቲ ቅድሚ 1991 ዝነበረ ኮሌጅ ሕርሻ ኣሪድ እዩ ማዕቢሉ: ሓያሎ ካልኦት መንግስታውን ብሕታውን ኮሌጃት ድማ ተመስሪተን እየን።
== ታሪኽ ==
=== መበቆል ===
[[ፋይል:Yohannes_IV_palace.jpg|thumb|ናይ አፀ ዮውሃንስ ራብዓይ ዓብዪ ግምቢ]]
[[መደብ:ከተማታት ኢትዮጵያ]]
48jkvy7z1yu23rgpz3frpwx2adco2i9
ሓገዝ:መእተዊ
12
5997
26157
23668
2026-10-28T12:28:01Z
Biruk Ets
11813
26157
wikitext
text/x-wiki
[[File:Yohannes on his graduation day.jpg|Yohannes_on_his_graduation_day]]]]
{{Infobox person
| name = ዮሃንስ ተኽለሃይማኖት
| birth_name = ዮሃንስ ተኽለሃይማኖት ተስፋየ
| birth_date = 1941
| birth_place = ኣሳይ፡ ከባቢ ገንደብታ፡ ወረዳ ፈረስማይ፡ ዓድዋ ኣውራጃ፡ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ
| death_date = ለካቲት 1976
| death_place = ከባቢ ዲማ ማርዋ፡ ምብራቓዊ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ
| alma_mater = ዩኒቨርሲቲ ኃይለስላሴ ቀዳማይ (ታሪኽ፡ 1969)
| occupation = መምህር፡ ፖለቲካዊ ውዳበ ሰራሕተኛ
| known_for = መራሒ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ
}}
-->'''ዮሃንስ ተኽለሃይማኖት ተስፋየ''' (1941 – ለካቲት 1976) ትግራዋይ ብሄርተኛን መምህርን ነበረ። ምስ ገብረኪዳን ኣስፍሃ ብሓባር፡ ነጻነት ትግራይ ዝጣበቕ ሕቡእ ፖለቲካዊ ማሕበር ትግራዋያን (Political Association of Tigrayans) መሪሑ። እዚ ማሕበር ደሓር ብብረት ዝቃለስ '''ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ''' (ግገሓት) ዝተባህለ ውድብ ኮይኑ ወጸ።<ref name="berhe2004">Berhe, Aregawi (2004). "The Origins of the Tigray People's Liberation Front". ''African Affairs'' 103 (413): 569–592. doi:10.1093/afraf/adh024.</ref> ኣብ ታሕሳስ 1975 ድሕሪ ናይ ምሕዋስ ስነ-ስርዓት መሪሕነት ግገሓት ብሓይልታት ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ተታሒዙ፡ ዮሃንስ ድማ ኣብ ለካቲት 1976 ብዘይ ፍርዲ ተረሺኑ ተባሂሉ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
== ቀዳሞት ዕድመን ትምህርቲን ==
ዮሃንስ ኣብ 1941 ኣብ ዓዲ ኣሳይ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ገንደብታ፡ ወረዳ ፈረስማይ፡ ዓድዋ ኣውራጃ ተወሊዱ። ኣቦኡ ተኽለሃይማኖት ተስፋየ ናይ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ካህንን ሓረስታይን፡ ኣዲኡ ድማ ወለተየሱስ ኣብርሃ ነበሩ። ካብ 13 ኣሕዋቱ ሳብዓይ ኢዩ ነይሩ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ክሳብ ዕድመኡ 12 ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸደን። ኣብ 1953 ሓው ዝኾነ ወልደገብርኤል ተኽለሃይማኖት፡ ንራስ እምሩ ዝሰርሕን ደሓር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነጋዳይ ዝኾነን፡ ንክምሃር ናብ ኣዲስ ኣበባ ወሲዱዎ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ልኡል ኣስፋወሰን ድማ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ጀመረ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ራስ እምሩ ናብ ህንዲ ኣምባሳደር ኮይኑ ምስ ተመደበ፡ ወልደገብርኤል ምስኡ ስለ ዝኸደ፡ ዮሃንስ ኣብ መርካቶ ነጋዳይ ዝነበረ ካሳ ሓጎስ ኣብ ዝርከብ ቤት ተቐመጠ፡ ንትምህርቱ ዝኸውን ወርሓዊ ሓገዝ ድማ ተመደበሉ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ሻውዓይ ክፍሊ ምስ ወድአ፡ ንናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ናብ ትግራይ ከይዱ፡ ኣዲኡ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ከም ዝሞተት ተረዲኡ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይምለስ ወሲኑ፡ ኣብ ዓድዋ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንግስቲ ሳባ 8ይ ክፍሊ ተመዝጊቡ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ድሕርዚ ኣብ ደብረዘይት (ሕጂ ቢሾፍቱ) ናብ ዝርከብ ናይ ወንጌላዊት ሚሽን ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ፡ ኣብኡ ጊታር ምዝማር ተማሂሩ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ኣብ ሰነ 1963 ናይ ኢትዮጵያ ቤት ትምህርቲ ምዝዛም ምስክር ወረቐት (ማትሪክ) ፈተና ወዲኡ፡ ኣብ 1964 ናብ ዩኒቨርሲቲ ኃይለስላሴ ቀዳማይ (ሕጂ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ) ኣትዩ፡ ታሪኽ ተማሂሩ ኣብ ሰነ 1969 ተመሪቑ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
== ስራሕን ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ==
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮሃንስ ኣብ ናይ ተማሃሮ ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ጉጅለ ዘተታትን ተሳቲፉ። ካብዚ ንሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገንፈለ ምስ ኣሕዋቱ ኪዳነማርያም፡ ኣበራሽን ሳህለስላሴ ተኽለሃይማኖትን ዝነበረሉ ቤት ዝተኻየደ ኣኼባታት ይርከቦ። ኣብ ኣኼባታት ዝተሳተፉን ዝበጽሑን ጊዴይ ገብረወሃድ፡ ዮሴፍ ገብረግዛብሄር፡ ገብረኪዳን ኣስፍሃ፡ ረዘነ ተኽለን ነጻነት ኣስፋውን ከም ዝነበሩ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ድሕሪ ምምራቑ 1969 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣመሪካውያን ዝተመስረተ ዓለማዊ ውድብ ሰሪሑ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብቐጻሊ ይኸይድ ነበረ። ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምምሃር ዝቐረበሉ ስኮላርሺፕ ከም ዝኣበየ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ብትግርኛ ብዛዕባ ታሪኽ ትግራይ «ቅያ ህዝቢ ትግራይ» ዝብል ጽሑፍ ጸሒፉ፡ ቅዳሓቱ ኣብ መሓዙቱ ተዘርጊሑ። እቲ መሰረታዊ ቅዳሕ ኣብ 1975 ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ኣተወ ምስኡ ከም ዝሓዞ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ዝተረፈ ቅዳሕ ግና ብፍርሒ ናይ ደርግ ኣብ ኣባይቲ ዝካየድ ፍተሻ ከም ዝጠፍአ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ኣብ 1971 ናብ መቐለ ከይዱ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዓጤ ዮሃንስ ታሪኽን እንግሊዝኛን መሃረ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
== ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ ==
=== መበቆል ===
ከም ኣረጋዊ በርሀ (ሓደ ካብ መስራቲ ህወሓት) ዝብሎ፡ እቲ ብዮሃንስ ተኽለሃይማኖትን ገብረኪዳንን ዝምራሕ ፖለቲካዊ ማሕበር ትግራዋያን፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራዋያን ብሕቡእ ዘወደበ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ነበረ። እዚ ማሕበር ምሉእ ነጻነት ትግራይ ዝጣበቕ ነይሩ፡ ደሓር ድማ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግገሓት) ዝተባህለ ብረታዊ ውድብ ኮይኑ ወጸ።<ref name="berhe2004" /> ዕለት ምምስራት ግገሓት ኣብ ገለ ጸብጻባት 1972 ተባሂሉ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ካብ መስራትን ቀዳሞት ኣባላትን ጊዴይ ገብረወሃድ፡ ረዘነ ተኽለ፡ ገብረኪዳን ኣስፍሃ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ታደሰ ጥላሁን፡ ሃይለኪሮስ ኣስገደ፡ ዓማረ ተስፋየ፡ ሙሴ ኪዳነ፡ ተከስተ በርሀን ካልኦትን ከም ዝነበሩ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
ዮሃንስ ናይቲ ውድብ ሊቀመንበር ከም ዝነበረ ይግለጽ፡ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ኮይኑ ድማ ሕቡእ ውዳበ የካይድ ነበረ፡ ካልኦት ኣባላት ድማ ናብ ጎቦታት ምብራቕ ትግራይ ኣብ ከባቢ ዓይጋ፡ ኣብ ዶብ ኤርትራ ከይዶም።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
=== ርዕዮተ ዓለም ===
ግገሓት ኣብ ክንዲ ማርክሲዝም-ሌኒኒዝም ኣብ ትግራዋይ ብሄርተኛነት ዝተመስረተ ነበረ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ዮሃንስ ነቶም ዓጤ ዮሃንስ ራብዓይን ራስ ኣሉላን ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም ትግራዋይ ገዘእቲ ከም ዘድንቖም ይግለጽ፡ እቶም ብዘመኑ ዝነበሩ ተዓለውቲ ውድባት ግና ነቶም ባህላዊ ገዘእቲ ከም ጨቋኒ ክፍሊ ይርእዩዎም ነበሩ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ብተወሳኺ ንትግራይን ኤርትራን ዘሓዋስ «ትግራይ ትግሪኚ» ዝተባህለ ሓባራዊ መንግስቲ ከም ዝሓሰበ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
=== ምስ ሓርነታዊ ግንባር ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ===
እቲ ናይ ህወሓት ቀዳማይ ውድብ፡ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ትግራዋይ ብሄራዊ ውድብ)፡ ሓገዝ ንምሕታት ንሓርነታዊ ግንባር ኤርትራ (ጀብሃ) ምስ ቀረበ፡ ግገሓት ድሮ ምስ ጀብሃ ስርሓዊ ርክብ ኣጣይሹ ነይሩ።<ref name="berhe2004" /> በርሀ፡ ጀብሃ ንግገሓት ዝያዳ ብሄርተኛ ጌሩ ክርእዮ ይኽእል ከም ዝነበረ የመልክት፡ ምኽንያቱ ግገሓት ከም ኤርትራውያን ንናጻነት ትግራይ ይጣበቕ ነበረ።<ref name="berhe2004" /> ዮሃንስ ኣብ ባርካ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጀብሃ ከም ዝተሳተፈ፡ ኣብኡ ድማ ሓባራዊ መንግስቲ ትግራይ ትግሪኚ ከም ዘቕረበ፡ መሪሕነት ጀብሃ ግና ኣወንታዊ መልሲ ከም ዘይሃበ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
=== ናብ ሜዳ ምኻድ ===
ደርግ ኣብ 12 መስከረም 1974 ስልጣን ምስ ተረከበ፡<ref name="berhe2004" /> ዮሃንስ ንገለ ወርሒታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጸኒሑ። እቲ ሕቡእ መርበብ ብውሽጣዊ ድሕነት ደርግ ምስ ተቐልዐ፡ ኣብ መጀመርታ 1975 ካብ ከተማ ወጺኡ ናብ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ዝነበሩ ሓይልታት ግገሓት ከም ዝተጸንበረ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
== ምስ ህወሓት ምሕዋስን ምእሳርን ==
ህወሓት ብረታዊ ቃልሱ ኣብ 18 ለካቲት 1975 ካብ ደደቢት ምዕራብ ትግራይ ጀሚሩ።<ref name="berhe2004" /> በርሀ ከም ዝጸሓፎ፡ መስራቲ ህወሓት ብረታዊ ቃልሲ ቅድሚ ብሄርተኛ ግገሓት፡ ህዝባዊ ሰውራዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢሕኣፓ)ን ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢዲዩ)ን ክጅምር ከም ዝግባእ ኣሚኖም፡ እቶም ኩሎም ካብ ትግራይ ንደርግ ንምቅላስ ዝዳለዉ ዝነበሩ ውድባት መሬት ከይሓዙ።<ref name="berhe2004" />
ከም ገለ ጸብጻባት ግገሓት፡ ልኡኻት ክልቲኡ ውድባት ኣብ 1975 ኣብ ጸሬና ማእከላይ ትግራይ ተራኺቦም፡ ብመትከል ክሓወሱ ተሰማሚዖም፡ እቲ መደበኛ ስነ-ስርዓት ድማ ኣብ ዘግብላ፡ ኣብ ከባቢ ዓይጋ ሱር ዝነበረ መደበር ግገሓት ክካየድ ተሰማሚዖም። ገለ መሪሕነት ግገሓት ምድንጓይ ሓቲቶም፡ ዮሃንስ ግና ኣብ ኤርትራ ክልተ ውድባት ንሓደ ዕላማ ምስ ተቓለሱ ዝፈጠሩዎ ዘጥፍእ ውሽጣዊ ግጭት ኣብነት ጌሩ ጠቒሱ ኣብዩ ይበሃል።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
እቲ ናይ ምሕዋስ ስነ-ስርዓት ኣብ 12 ታሕሳስ 1975 ከም ዝተኻየደ ይግለጽ። እዞም ጸብጻባት፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ዝርከብዎም፡ መሪሕነት ግገሓት ክሕዙ መደብ ከም ዝነበሮም፡ ኣብ ንግሆ 13 ታሕሳስ ድማ መራሕትን ተዋጋእትን ግገሓት ተኸቢቦም ከም ዝተታሕዙ፡ የማነ ገብረመስቀልን ካልኦት ኣርባዕተን ዝተቓወሙ ድማ ከም ዝተቐትሉ የመልክቱ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup><!-- NPOV: add the TPLF-side account here, attributed to its published source. -->
== ሞት ==
ዮሃንስ፡ ታደሰ ጥላሁንን ካልኦት መራሕቲ ግገሓትን ኣብ ከባቢ ዲማ ማርዋ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ ማእሰርቲ ን3 ወርሒ ከም ዝተታሕዙ ይግለጽ። ኣብ ለካቲት 1976 ንሱን ታደሰ ጥላሁንን፡ ብውሑድ ሓደ ካልእ መራሒ ግገሓት ምስ ዝርከብዎም፡ ብዘይ ፍርዲ ተረሺኖም፡ ኣብ ሓደ መቓብር ኣብ ማርያም ጉንዳጉንዶ ተቐቢሮም ተባሂሉ ይግለጽ።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup> ካብ እቶም ዝተጠቕሱ ክሲታት፡ ንታሪኻውያን ትግራዋይ ገዘእቲ ዘሎ ኣድናቖትን ብሄርተኛ ዕላማን ይርከብዎም።<sup>[ምንጪ የድልን]</sup>
== ርአ ድማ ==
* [[ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ]]
* [[ሓርነታዊ ግንባር ኤርትራ]]
== ዋቢታት ==
{{Reflist}}
== ዝያዳ ንምንባብ ==
* Berhe, Aregawi (2008). ''A Political History of the Tigray People's Liberation Front (1975–1991): Revolt, Ideology and Mobilisation in Ethiopia''. PhD thesis, Vrije Universiteit Amsterdam. hdl:1871/15765.
* Young, John (1997). ''Peasant Revolution in Ethiopia: The Tigray People's Liberation Front, 1975–1991''. Cambridge University Press. ISBN 0-521-59198-8.
[[ምድብ:ልደታት 1941]] [[ምድብ:ሞታት 1976]] [[ምድብ:ትግራዋያን]]
be63q1adus6dipc06ldk7ctj3l694ee
26158
26157
2026-10-28T12:30:36Z
NDG
10831
Reverted edits by [[Special:Contribs/Biruk Ets|Biruk Ets]] ([[User talk:Biruk Ets|talk]]) to last version by Semere3: Wrong page
23668
wikitext
text/x-wiki
ኣብ ዊኪበድያ ኩሉ ሰብ ኣብ ናይ ትግርኛ ምዕባለ ክትሓጋገዝ ኣለዎ። እቲ ዝደለናዮ ከምቲ ብካልእ ቃንቃታት ቀልጥፍካ እቲ ትደልዮ ትሩጉም፥ ታሪክ፥ ዝተፋላለየ ቀልጥፍካ ትረክቦ ብትግርኛ ድማ ከምኡ ክንገብሮ ኣለና።
luhpx51bcy86n7g48fwwpdvx2l1e258
ቪንሰንት ኣቡባከር
0
6304
26164
24792
2026-10-28T23:53:05Z
Kidrom brhanu
11818
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:2|0|0 */
26164
wikitext
text/x-wiki
'''ቪንሰንት ኣቡባከር''' (22 ጥሪ 1992 ተወሊዱ) ካሜሩናዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ ኣብ ክለብ ሱፐርሊግ ቤሺክታሽ ከም ኣጥቃዓይ ዝጻወትን ሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩንን እዩ።
ኣቡባከር ኣብ ኮቶን ስፖርት ጸወታኡ ጀሚሩ ኣብ 2010 ናብ ኤውሮጳ ብምኻድ ምስ ክለባት [[ሊግ 1]] ቫለንሽየንን ሎሪየንን ተጻዊቱ ብድምር 109 ጸወታታትን 26 ሸቶታትን ኣብ ላዕለዋይ ዲቪዥን [[ፈረንሳ]] ኣመዝጊቡ። ኣብ 2015 ናብ ፖርቶ ፈሪሙ ፡ 125 ጸወታታት ተጻዊቱ 58 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዋንጫ ፕሪምየር ሊጋ ተዓዊቱ። ኣብ 2017 ኣብ ቤሺክታሽ ብልቓሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ 2021 ድማ ዳግማይ ንጋንታ ሱፐር ሊግ [[ቱርኪ]] ተዓዊቱ።
ኣቡባከር ኣብ ግንቦት 2010 ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ ጸወታ ካብ ዝጻወት ንደሓር ንካሜሩን 100 ጸወታታት ኣመዝጊቡ። ኣብ 2010 ፣ 2014 ን 2022 ን ዋንጫ ዓለም ከምኡ ’ ውን ኣብ 2015 ፣ 2017 ፣ [[ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021|2021]] ን [[ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023|2023]] ን ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝነበራ ጋንታታተን ’ ዩ ነይሩ። ኣብ መዛዘሚ ውድድር 2017 ናይ ዓወት ሸቶ ኣመዝጊቡ፡ ኣብ ሕታም 2021 ድማ [[ዋንጫ ኣፍሪቃ 2021|ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ]] ኮይኑ።
ኣቡባከር ኣብ ታሪኽ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ብብዝሒ ሸቶታት ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ፡ ሮጀር ሚላ ብ43 ሸቶታት ፡ ሳሙኤል ኤቶ ድማ ብ56 ሸቶታት ስዒቡ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ እዩ።
q75znrya7vz96srtthzl26xd6z9r4x2