ዊኪፔዲያ
tiwiki
https://ti.wikipedia.org/wiki/%E1%88%98%E1%89%A0%E1%8C%88%E1%88%B2_%E1%8C%88%E1%8C%BD
MediaWiki 1.47.0-wmf.19
first-letter
ሜድያ
ፍሉይ
ምይይጥ
ተጠቃሚ
ምይይጥ ተጠቃሚ
ዊኪፐድያ
ምይይጥ ዊኪፐድያ
ፋይል
ምይይጥ ፋይል
ሜድያዊኪ
ምይይጥ ሜድያዊኪ
ሞደል
ምይይጥ ሞደል
ሓገዝ
ምይይጥ ሓገዝ
መደብ
ምይይጥ መደብ
ማዕጾ
ምይይጥ ማዕጾ
TimedText
TimedText talk
ሞድዩል
ምይይጥ ሞድዩል
Event
Event talk
ሕማም ዕቡድ ከልቢ
0
3919
26095
25436
2026-09-15T10:13:35Z
ሰላምክብሮምበላይ
11723
/* growthexperiments-addlink-summary-summary:2|0|0 */
26095
wikitext
text/x-wiki
{{Infobox disease
| name = Rabies
| image = Dog with rabies.jpg
| caption = ኣብ ደረጃ ምልማስ (ልዕሊ-ክፉእ) ዝርከብ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘለዎ ከልቢ
| DiseasesDB = 11148
| ICD10 = {{ICD10|A|82||a|82}}
| ID9 = {{ICD9|071}}
| ICDO =
| OMIM =
| MedlinePlus = 001334
| eMedicineSubj = med
| eMedicineTopic = 1374
| eMedicine_mult = {{eMedicine2|eerg|493}} {{eMedicine2|ped|1974}}
| MeshID = D011818
}}
'''ሕማም ዕቡድ ከልቢ''' ፡ ኣብ ሰባትን ካልኦት [[ውዑይ ዝደሞም]] እንስሳታትን ከቢድ [[ኤንሰፋሊቲስ|ነድሪ ኣእምሮ]] ብዘስዕብ [[ቫይረስ|ቫይራል]] ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ።<ref name=WHO2013/> እቲ ኣቐዲሙ ዝርኤ ምልክታት፡ ረስንን ኣብቲ ዝተነኽሶ ክፋል ኣካል ድማ ጸላዕላዕ/ማርማር ዚብል ስምዒትን ከጠቓልል ይኽእል።<ref name=WHO2013/> እዚ ምልክታት ድማ ቀጺሉ ካብ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምልክታት፥ ማለት ዘይንቡር ምንቅስቓስ ኣካላት፣ ዘይግታእ ስምዒታት፣ [[ሃይድሮፎብያ|ፍርሂ ማይ]]፣ ንገለ ክፋላት ኣካል ከተንቀሳቕስ ዘይምኽኣል፣ ዕግርግር ምባል ከምኡውን [[ምስሓት ውኖ]]የኸትል።<ref name=WHO2013/> ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ምልክትታት ምስተራኣየ፡ መብዛሕቱ ግዜ ሞት የስዕብ።<ref name=WHO2013/> ኣብ መንጐ መልከፍቲ ሕማምን ምርኣይ ምልክታትን ዘሎ ንውሓት ግዜ፡ መብዛሕቱ ግዜ ካብ ሓደ ክሳዕ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውሓት ግዜ፡ ካብ ትሕቲ ሓደ ሰሙን ክሳዕ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኪፈላለ ይከኣል እዩ።<ref name=WHO2013/> እቲ ንውሓት ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ናብ [[ማእከላይ ስርዓተ መትኒ]] ንኽበጽሕ ኣብ ዝጉዓዞ ርሕቐት ዚሙርኮስ እዩ።<ref name=Robbins>{{cite book |author=Cotran RS |title=Robbins and Cotran Pathologic Basis of Disease |edition=7th |publisher=Elsevier/Saunders |year=2005 |page=1375 |isbn=0-7216-0187-1|author-separator=, |author2=Kumar V |author3=Fausto N |display-authors=3}}</ref>
ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ካብ ካልኦት [[እንስሳ]]ታት ናብ ሰባት ኪመሓላለፍ ይኽእል። ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ እንስሳ ንኻልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝፍሕንጭረሉ ወይ ዝነኽሰሉ እዋን ኪመሓላለፍ ይኽእል።<ref name=WHO2013/> ካብ ዝተለኽፈ እንስሳስ ዚወጽእ ምራቕ፡ ምስ ልፋጭ ቆርበት ኣካላት (ሙኮስ መምብረይን) ካልእ እንስሳ ወይ ሰብ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን እቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከመሓላልፍ ይኽእል።<ref name=WHO2013/> መብዛሕቱ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ።<ref name=WHO2013/> ኣብተን ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዘለወን ሃገራት፡ ልዕሊ 99% ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ብሰንኪ መንከስቲ ከልቢ ዚስዕብ እዩ።<ref name=Tint2010>{{cite book |author=Tintinalli, Judith E. |title=Emergency Medicine: A Comprehensive Study Guide (Emergency Medicine (Tintinalli))|publisher=McGraw-Hill |year=2010 |pages=Chapter 152 |isbn=0-07-148480-9}}</ref> ኣብ [[ኣሜሪካ]]፡ [[መንካዕ]]፡ እተን ኣዝየን ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ክኾና ከለዋ፡ ትሕቲ 5% ናይቲ ኣብ ሰባት ዜጋጥም ሕማም ዕቡድ ከልቢ ድማ ብኣኻልብ ይስዕብ።<ref name=WHO2013/><ref name=Tint2010/> ገሃጽቲ እንስሳታት፡ ኣዝዩ ሳሕቲ ኣብ ዝኾነ ግዜ ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ይልከፉ።<ref name=Tint2010/> [[ቫይረስ ሕማም ዕቡድ ከልቢ]] ፡ [[ካብ ኣእምሮ ወጻኢ ብዘሎ ስርዓተ መትኒ|ካብ ኣእምሮ ወጻኢ ብዘሎ መትንታት]]ኣቢሉ ናብ ኣእምሮ ይጉዓዝ። እዚ ሕማም፡ ምልክታት ምስተራእየ ጥራይ’ዩ ኪንጸር ዚከኣል።<ref name=WHO2013/>
ፕሮግራማት ምቚጽጻርን ክታበትን እንስሳታት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዓለም፡ ነቲ ብኣኻልብ ዚስዕብ ሓደጋታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ከምዝቕንስ ይገብር ኣሎ።<ref name=WHO2013/> እቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝርከቡ ሰባት፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ምግጣሙ ክኽተቡ ለበዋ ይቐርብ። እቶም ኣብ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ ጉጅለ፡ ምስ መንካዓት ዝሰርሑ ወይ ኣብቲ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብብዝሒ ዝርኣየሉ ቦታታት ዓለም ንነዊሕ ግዜ ዝሰርሑ ጉጅለ ሰባት የጠቓልል።<ref name=WHO2013/> እቶም ንሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተቓልዑ ሰባት ብዚምልከት፥ እቲ ዚሓመመ ሰብ፡ ቅድሚ ምልክታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ምጅማሩ ሕክምና ዝግበረሉ ሰብ፡ [[ክታበት ሕማም ዕቡድ ከልቢ]]ን ሳሕቲ ድማ [[ኢሙኖግሎቡሊን]] ሕማም ዕቡድ ከልቢን፡ ንምክልኻል’ዚ ሕማም ውጺኢታዊ እዩ።<ref name=WHO2013/> ንዝተነኽሰን ዝተፈሓንጨረን ኣካል ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ግዜ ብሳሙናን ማይን፣ [[ፖቪዶን ኣዮዲን]]፣ ወይ መነጻጽሂ ዲተርጀንት ምሕጻብ፡ ነቲ ቫይረስ ኪቐትል ስለዝኽእል፡ ንምትሕልላፍ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ንኽከላኸል ብመጠኑ ውጺኢታዊ ይኸውን እዩ።<ref name=WHO2013>{{cite web|title=Rabies Fact Sheet N°99|url=http://www.who.int/mediacentre/factsheets/fs099/en/|work=World Health Organization|accessdate=28 February 2014|date=July 2013}}</ref> ብሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኽፉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ’ዮም ብህይወት ሰሪሮም ዘለዉ፣ እዚ ድማ ብእተገብረ ብ[[ፕሮቶኮል ሚልዎኪ]] ዚፍለጥ ሰፊሕ ሕክምና ምስተገብረሎም እዩ።<ref>{{cite journal | author = Hemachudha T, Ugolini G, Wacharapluesadee S, Sungkarat W, Shuangshoti S, Laothamatas J | title = Human rabies: neuropathogenesis, diagnosis, and management. | journal = Lancet neurology | volume = 12 | issue = 5 | pages = 498–513 | date = May 2013 | pmid = 23602163 | doi = 10.1016/s1474-4422(13)70038-3 }}</ref>
ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዓመት፡ ንኣስታት 26,000 ክሳዕ 55,000 ሞት የስዕብ።<ref name=WHO2013/><ref name=Loz2012>{{cite journal | author = Lozano R, Naghavi M, Foreman K, Lim S, Shibuya K, Aboyans V, Abraham J, Adair T, Aggarwal R, et al. | title = Global and regional mortality from 235 causes of death for 20 age groups in 1990 and 2010: a systematic analysis for the Global Burden of Disease Study 2010. | journal = Lancet | volume = 380 | issue = 9859 | pages = 2095–128 | date = Dec 15, 2012 | pmid = 23245604 | doi = 10.1016/S0140-6736(12)61728-0 }}</ref> ልዕሊ 95% ናይቲ ዘጋጥም ሞት፡ ኣብ [[እስያ]] ከምኡውን [[ኣፍሪቃ]]ዜጋጥም እዩ።<ref name=WHO2013/> ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት፡ ከምኡውን ብዘይካ ኣብ ኣንታርክቲካ ኣብ ኲለን ኣህጉራት ይርከብ።<ref name=WHO2013/> ሕማም ዕቡድ ከልቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ዓለም፡ ልዕሊ 3 ቢልዮን ሰባት ይነብሩ ኣለዉ።<ref name=WHO2013/> ኣብ መብዛሕቱ ቦታታት [[ኤውሮጳ|ኤውሮጳን]] ኣውስትራልያን፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ኣብ መንክዓት ጥራይ ይርከብ።<ref>{{cite web|title=Presence / absence of rabies in 2007|url=http://www.who.int/rabies/Absence_Presence_Rabies_07_large.jpg?ua=1|work=World Health Organization|accessdate=1 March 2014|year=2007}}</ref> ብዙሓት ንኣሽቱ ኣብ ደሴታት ዝርከባ ሃገራት ድማ ብፍጹም ሕማም ዕቡድ ከልቢ የብለንን።<ref>{{cite web|title=Rabies-Free Countries and Political Units|url=http://www.cdc.gov/animalimportation/rabies-free-countries.html|work=CDC|accessdate=1 March 2014}}</ref>
==References==
<references />
[[መደብ:ሕክምና]]
[[መደብ:ስነ እንስሳ]]
ovj1c6rylbjpb52sqf669rifzwctc3y